ሰንበት ከተገልግል ምኸኣልካዶ፧
1. ካብቲ ጳውሎስን ብጾቱን ኣብ ፊልጲ ዝገበርዎ ነገር እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
1 እዋኑ ሰንበት እዩ ነይሩ፣ ኣብ ከተማ ፊልጲ ዚነብሩ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ኣይሁድ ከኣ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ የዕርፉ ነበሩ። ጳውሎስን ብጾቱን፡ ኣብ ሓደ ኻብቲ ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም፡ ኣብታ ኸተማ ቐንዮም ነበሩ። ንሳቶም እውን ከም ሰቦም ኣብ መዓልቲ ሰንበት እንተ ዜዕርፉ ነይሮም፡ ማንም ኣይምወቐሶምን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ዚጽልዩ ኣይሁድ ከም እተኣከቡ ምስ ፈለጡ፡ ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ንስብከት ተጠቕሙሉ። ልድያ ጽን ኢላ ምስ ሰምዓቶምን ምስ ኵሎም ስድራ ቤታ ምስ ተጠምቀትን ኣዝዮም ተሓጒሶም ኪዀኑ ኣለዎም። (ግብ. 16:13-15) ሎሚ እውን ብዙሓት ሰባት፡ ሰንበት ስለ ዜዕርፉ፡ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ገለ ሰዓታት መዲብካ ንምንታይ ዘይትሰብከሎም፧
2. ህዝቢ የሆዋ፡ ሰንበት ብዘይ ገለ ሽግር ምእንቲ ኼገልግሉ፡ እንታይ ጸገማት እዮም ኣሕሊፎም፧
2 ሰንበት ንምስባኽ እተገብረ ቓልሲ፦ ብ1927፡ ህዝቢ የሆዋ ሰንበት ሰንበት ንእተወሰነ ሰዓታት ኣብ ኣገልግሎት ኬሕልፉ ምትብባዕ ተዋሂብዎም ነበረ። እዚ ኸኣ ብኡንብኡ ተቓውሞ ኣለዓዓለ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዚነብሩ ሓያሎ ኣሕዋት፡ ሕጊ ሰንበት ከም ዝጠሓሱን ሰላም ከም ዝዘረጉን ብዘይ ፍቓድ ንግዲ ኸም ዝሸጡን ተቘጺሮም ተኣስሩ። ኰይኑ ግን ህዝቢ የሆዋ ኣይተሓለሉን። ብ1930ታት ኣብ ሓደ ኸባቢ ዚነብራ ጉባኤታት፡ ሓቢረን ንሓደ ኽሊ ምእንቲ ኺሽፍና፡ ኣስፋሕተን በብጕጅለ ተጠርኒፎም ተወደቡ። ማእሰርቲ ኼጋጥሞም ከሎ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ብምዃኖም እቶም ሰበ-ስልጣን ኪቈጻጸርዎም ኣይከኣሉን። ሳላ እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኣሕዋት ዝኸፈልዎ መስዋእቲ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ሰንበት ሰንበት ብዘይ ገለ ሽግር ከነገልግል ብምኽኣልናስ ብሓቂ ተማስወሉ ዲኻ፧
3. ሰንበት ንኣገልግሎት ምሽእቲ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
3 ንስብከት እትምሽእ መዓልቲ፦ መብዛሕትኦም ሰባት ሰንበት ስለ ዘይሰርሑ፡ ኣብ ገዝኦም እዮም ዜዕርፉ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ፍኹስ እዩ ዚብሎም። ገለ ኻብቶም ቤተ-ክርስትያን ዚኸዱ ሰባት፡ ሰንበት ብዛዕባ ኣምላኽ ምዝራብ ባህ ኬብሎም ይኽእል እዩ። ሰንበት ኣኼባ እንተ ኣልዩና፡ ንኣገልግሎት ዚበቅዕ ክዳን ስለ እተኸደንና፡ ቅድሚ ወይ ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንኽንወጽእ ዘይንምድብ፧ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ፍኹስ ዝበለ ምግቢ ኽንማላእ ንኽእል ኢና።
4. ሰንበት እተወሰነ ሰዓታት ኣብ ኣገልግሎት እንተ ኣሕሊፍና፡ እንታይ ዜሐጕስ ተመክሮ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧
4 ሰንበት እተወሰነ ሰዓታት ኣብ ኣገልግሎት እንተ ኣሕሊፍና፡ ንዕረፍቲ ዚኸውን ግዜ እውን ይተረፈና እዩ። ኣብ ቅዱስ ኣገልግሎት ብምክፋልና ዕግበት ስለ እንረክብ ከኣ፡ እቲ ዕረፍቲ እቲ፡ ባህ ዜብል ዕረፍቲ እዩ ዚዀነልና። (ምሳ. 19:23) ብዘይካዚ፡ ከም ልድያ ዝኣመሰለ ሰብ ክንርክብ ስለ እንኽእል፡ ዜሐጕስ ተመክሮ እውን ኪህልወና ይኽእል እዩ።