በጃኻ ንሓላው እቲ ቤት ትምህርቲ ሃቦ
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 25 ጥቅምቲ 2010 እትጅምር ሰሙን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 6 መስከረም ክሳዕ 25 ጥቅምቲ 2010 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ፡ 20 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ።
1. ካብቲ ንጉስ ኣዛርያ (ዑዝያ) ዘሕለፎ ህይወት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (2 ነገ. 15:1-6) [w91-E 15/7 ገጽ 29-30]
2. ዮታም ንጉስ ይሁዳ ን16 ዓመት ከም ዝገዝአ ዚእመን እኳ እንተ ዀነ፡ 2 ነገስት 15:30 ብዛዕባ “መበል ዕስራ ዓመት” ግዝኣቱ እትገልጽ ስለምንታይ እያ፧ (2 ዜና 27:7, 8) [it-2-E ገጽ 119 ሕ.ጽ. 5]
3. እቶም ኣብ 2 ነገስት 17:29 ተጠቒሶም ዘለዉ “ሳምራውያን” እንታዎት እዮም፧ [it-2-E ገጽ 847 ሕ.ጽ. 7]
4. የሆዋ ንዕላማኡ ኸም ‘ዝፈጠሮ’ ወይ ከም ዝኣመሞ ጌርካ ተገሊጹ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ (2 ነገ. 19:25) [w99 15/8 ገጽ 14 ሕ.ጽ. 3]
5. 2 ነገስት 25:8, 25, 26፡ የሩሳሌም ንሰብዓ ዓመት እትባድመሉ እዋን መዓስ ከም ዚጅምር ብልክዕ እትገልጽ ብኸመይ እያ፧ [it-1-E ገጽ. 415 ሕ.ጽ. 6–ገጽ 416 ሕ.ጽ. 1-2፣ ገጽ 463 ሕ.ጽ. 4]
6. እዝራ ንዳዊት ሻውዓይ ወዲ ኸም ዝዀነ ገይሩ ገሊጽዎ ኸሎ፡ 1 ሳሙኤል 16:10, 11 ግን ሻምናይ ወዲ እሰይ እትብሎ ስለምንታይ እያ፧ (1 ዜና 2:15) [w02 15/9 ገጽ 31]
7. ነቲ ጥንታውያን ጊልዓዳውያን ዝሓደግዎ ኣብነት ክንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (1 ዜና 5:10, 18-22) [w05 1/10 ገጽ 9 ሕ.ጽ. 7]
8. ካብቶም ሌዋውያን ሓለውቲ ደገ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (1 ዜና 9:26, 27) [w05 1/10 ገጽ 9 ሕ.ጽ. 8]
9. ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ መዝሙር እንታይ ኣገዳስነት ነበሮ፧ (1 ዜና 9:33) [it-2-E ገጽ 452 ሕ.ጽ. 9]
10. እቲ ኣብ 1 ዜና መዋእል 13:11 ተገሊጹ ዘሎ ዳዊት ዝሃቦ ምላሽ፡ እንታይ ጌጋ ነበሮ፧ [w05 1/10 ገጽ 11]