ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
መጋቢት ብሓቂ ፍልይቲ ወርሒ እያ ነይራ። እቲ ዝገበርናዮ ፍሉይ ወፈራ ኽሊ ብጽቡቕ ተዛዘመ፣ ምስ በዓል ዝኽሪ ዚተሓሓዝ ዝያዳ ጻዕሪ እውን ተገይሩ እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ዝለዓለ ቝጽሪ ሰዓታትን ተመላሊስካ ምብጻሕን ኣስፋሕትን (8,804) ተረኽበ። ብዘይካዚ፡ ቍጽሪ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰባት ብ350 ክብ በለ፣ እዚ ኸኣ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ዚበልጽ እዩ። ስለ ጻዕርኹም ኽንንእደኩም ንፈቱ፣ ኣብ ዝረኸብኩምዎ ኣጋጣሚ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀመሩ ድማ ነተባብዓኩም።