ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/09 ገጽ 6
  • ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
km 3/09 ገጽ 6

ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ

እታ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት ብልዕሊ 400,000 ቅዳሓት፡ ብሸውዓተ ቛንቋታት ብሰፊሕ ተዘርጊሓ እያ። ነባሪ ሓንቲ ኸተማ፡ እቲ ዝርጋሐ፡ “ልክዕ ከም ሱናሚ” ምንባሩ ገለጸ። ብደረጃ ሃገር ልዕሊ 93,000 ተመላሊስካ ምብጻሕ ስለ እተገብረ፡ ጽቡቕ ምምሕያሽ እዩ ተራእዩ። እዛ ትራክት እዚኣ ተወሳኺ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር እትሕግዝ ጽብቕቲ መሳርሒት ስለ ዝዀነት፡ ብቐጻሊ ኽንጥቀመላ ኢና።

እቲ ኣብ ሕዳር ዝቐረበ ጸብጻብና ኸም ዚሕብሮ፡ ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ 8,363 በጽሐ፡ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ እዚ ናይ ኣገልግሎት ዓመት እዚ ኸኣ፡ 2% ወሰኽ ተራእየ። ኣብ 2008 ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት 12፡ 13፡ 14፡ አረ 17 ዚዀኑ እውን ሓደስቲ ኣስፋሕቲ እተወሰኽወን ጉባኤታት ስለ ዝነበራ፡ ሓያሎ ሓደስቲ ስጕምቲ ይወስዱ ኸም ዘለዉ ዚሕብር እዩ።

ሕጂ ኸኣ ናብቲ ናይ ክልና ፍሉይ ወፈራ ነቕልብ። ክሳዕ መፋርቕ ታሕሳስ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ዚነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ብዙሕ ወጻኢታት ብምግባር ኣብ ዕዮ ስብከት ንኺሕግዙና ኣመልኪቶም ኣለዉ። ብተወሳኺ፡ ናብ 400 ዚጽግዑ ኣብ ክልና ዚነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ ርሕቕ ዝበለ ቦታ ኸይዶም ንኼገልግሉ ኣመልኪቶም ኣለዉ። ንእተረኽበ ተገዳስነት ኪምዝግቡ፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባር ከኣ ብጥንቃቐ ኺከታትሉ እናዘኻኸርና ጽቡቕ ፍረ ኺረኽቡ ንምነየሎም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ