ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/09 ገጽ 1
  • ንበዓል ዝኽሪ ብግቡእ ንዳለወሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንበዓል ዝኽሪ ብግቡእ ንዳለወሉ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን መዘኻኸሪታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን መዘኻኸሪታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን መዘኻኸሪታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን መዘኻኸሪታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
km 3/09 ገጽ 1

ንበዓል ዝኽሪ ብግቡእ ንዳለወሉ

ሰዓብቲ ክርስቶስ ነታ ሞት የሱስ ክርስቶስ እነብዕለላ ምሸት ግቡእ ምድላው ክንገብርሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዜሐጕስ ኣጋጣምን ፍሉይ መሰልን ኰን እዩ! (ሉቃ 22፡19) ንበዓል ዝኽሪ ንምድላው እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ክንወስድ ኣሎና፧

◼ ሰዓትን ቦታን፦ ነፍሲ ወከፍ ሰብ በዓል ዝኽሪ ዚበዓለሉ ሰዓትን ትኽክለኛ ቦታን ብንጹር ኪፈልጥ ኣለዎ። ኣብቲ ኣዳራሽ ካብ ሓንቲ ጉባኤ ንላዕሊ ኺእከባ እንተ ደኣ ዀይነን፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣኼባታት ዘሎ ግዜ ውሱን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሰዓትና ኽንበጽሕን ብስርዓት ክንወጽእን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ መእተውን ኣብ ደገን ኣብ ደው መበሊ መካይንን ምጽቕቓጥ ምእንቲ ኸይፍጠር ጻዕሪ ኺግበር ኣለዎ።

◼ ወረቐት ዕድመ፦ ኵሎም ኣስፋሕቲ ዚዕድልዎ ወረቐት ዕድመ ተቐቢሎምዶ፧ እንታይ ትሕዝቶ ኸም ዘለዎኸ ይፈልጡ ድዮም፧ ነዚ ወረቕት ዕድመ ብኸመይ ከም እትዕድልዎ ተለማሚድኩምሉ ዲኹም፧ ንመን ኢኹም ክትዕድሙ፧ ኵሉ እቲ ወረቐት ዕድመ ኣብ ኢድ ሰባት ንኺበጽሕ ጻዕሪ ኺግበር ኣለዎ።

◼ መጐዓዝያ፦ ገሊኦም ተገደስቲ ሰባትን እተወሰኑ ኣሕዋትን ኣሓትን መጐዓዝያ ወይ ካልእ ብሕታዊ ደገፍ ኬድልዮም ይኽእል እዩ። ንምድጋፎም እንታይ መሰናድዎ ተገይሩ ኣሎ፧

◼ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን፦ እቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኺዘውር ኣለዎ። ነቶም ካብ ቅቡኣት ኰይኖም ብሰንኪ እርጋንን ሕማምን ኪመጹ ዘይክእሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ካብቲ ቕጫን ወይንን ንኪቐርበሎም መሰናድዎታት ኪግበር ኣለዎ። እቲ ግቡእ ዓይነት ቅጫን ወይንን ኪቕረብ ኣለዎ።—ናይ 15 ለካቲት 2003 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 14-15፡ ሕጡብ ጹሑፍ 14, 17 ርአ።

◼ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፦ እቲ ኣዳራሽ ኣቐድም ኣቢልካ ኣጸቢቑ ኺጸሪ ኣለዎ። ቢያትታት፡ ቢኬሪታት፡ ግቡእ ዝዀነ ጣውላ፡ ከምኡውን ጨርቂ ጣውላ ኣቐዲሙ ናብቲ ኣዳራሽ ኪመጽእን ኪዳሎን ኣለዎ። ኣብ ካልእ ቦታ ትእከቡ እንተደኣ ዄንኩም፡ ኵሎም ተኣከብቲ ነቲ ተዛራባይ ምእንቲ ኺሰምዕዎ ብቑዕ መሳርሒታት ድምጺ ኸም ዚህሉ ግበሩ። ተቐበልቲ ኣጋይሽን እቶም ዜዙሩን ኣቐዲሞም ኪምረጹ፡ ብዛዕባ ሓላፍነቶም፡ ብዛዕባ ግቡእ ዝዀነ ኣሰራርሓ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ምዕሩግ ኣከዳድናን ትርኢትን መምርሒ ኺወሃቦም ኣለዎ።

ኣብዚ ዝኽሪ ሞት የሱስ ክርስቶስ ዚበዓለሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ፡ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ኰነ ብደረጃ ጉባኤ ግቡእ ምድላው ክንገብር ንደሊ ኢና። የሆዋ ንዅሎም እቶም ነቲ ብመስዋእቲ እቲ ዚፈትዎ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንደቂ ሰብ ዚገበሮ መሰናድዎታት ልባዊ ሞሳ ዚገልጹ ሰባት፡ ኣብዚሑ ኸም ዚባርኾም እተረጋገጸ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ