ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 29 ታሕሳስ 2008 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 3 ሕዳር ክሳዕ 29 ታሕሳስ 2008 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 20 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ።
ባህርይ ዘረባ
1. ምዕዶ “ምእንቲ ፍቕሪ” ኢልካ ኺወሃብ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ (ፊሞ. 9) [be ገጽ 266 ሕ.ጽ. 1-3]
2. ንሰባት ብኸመይ ኢና ኸነተባብዖም እንኽእል፧ [be ገጽ 268 ሕ.ጽ. 4–ገጽ 269 ሕ.ጽ. 1]
ክፍሊ ቍ. 1
3. እታ ጳውሎስ ናብ ቲቶስ ዝለኣኻ መልእኽቲ፡ ሎሚ ንዓና ‘ጽብቕትን ጠቓሚትን’ ዝዀነት ብኸመይ እያ፧ (ቲቶ. 3:8) [bsi08-2 ገጽ 11 ሕ.ጽ. 8]
4. ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ እዋናዊት ዝነበረት ብኸመይ እያ፧ [bsi08-2 ገጽ 19 ሕ.ጽ. 1]
5. እቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዚርከብ ተምሳላት እንታይ ጽልዋ ኺገብረልና ኣለዎ፧ [bsi08-2 ገጽ 28 ሕ.ጽ. 1]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
6. ጳውሎስ ኣብ ቲቶስ 2:3 ነቲ “ዘይሓመይቲ” ዚብል ሓሳብ ምስቲ “ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና” ዚብል ሓረግ ዘተኣሳሰሮ ስለምንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ [w94 1/6 ገጽ 28 ሕ.ጽ. 12]
7. ሰይጣን “ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ” ምዃኑ፡ ንዝደለዮ ሰብ ቅድሚ ግዜኡ ኸም ዚመውት ኪገብር ከም ዚኽእል ዜመልክት ድዩ፧ (እብ. 2:14) [w08 15/10 “ቃል የሆዋ ህያው እዩ—ካብ መልእኽትታት ናብ ቲቶስን ፊልሞንን እብራውያንን ዚጐልሕ ነጥብታት”]
8. ነቲ ሓድሽ ኪዳን “እተላበወ” መን እዩ፧ (እብ. 9:16) [w08 15/10 “ቃል የሆዋ ህያው እዩ—ካብ መልእኽትታት ናብ ቲቶስን ፊልሞንን እብራውያንን ዚጐልሕ ነጥብታት”]
9. ሰላማዊ ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ በዚ መዳይ እዚ ዝመጸኸ ንገዛእ ርእስና እንታይ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል፧ (ያእ. 3:17) [w08 15/3 ገጽ 24 ሕ.ጽ. 18]
10. እታ ‘ኣምላኽ ካብ ልብና ይዓቢ’ እትብል ሓረግ እንታይ ማለት እያ፧ (1 ዮሃ. 3:20) [w05 1/8 ገጽ 30 ሕ.ጽ. 19]