መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሕዳ.
“ብዙሓት ሰባት ነቲ ብዛዕባ ፈቃር ኣምላኽ ዘለዎም እምነት ምስቲ ትምህርቲ ዘለኣለማዊ ስቓይ ኪቃደወሎም ኣይክእልን እዩ። ብዛዕባ እዚ እንታይ ሓሳብ ኣሎካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣምላኽ ሃሳዪ ወይ ቂመኛ ዘይምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይነግረና እዩ። [ህዝቅኤል 18:23 ኣንብብ።] ኣብዛ መጽሔት ዘሎ ቕዱስ ጽሑፋዊ መረዳእታታት ክትፈትዎ ኢኻ።”
Awake! Nov.
“ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ሚልዮናት ሰባት ናብ ኣምላኽ ይጽልዩ እዮም። ከምኡ ኽንገብር እውን ተዓዲምና ኢና። [1 ጴጥሮስ 5:7 ኣንብብ።] ኰይኑ ግን፡ ብሰንኪ ጸቕጥታት ህይወት፡ ብዙሓት ቅኑዓት ሰባት ብታህዋኽ ወይ ንማለቱ ይጽልዩ እዮም። ስለዚ፡ ‘ንጸሎተይ ብኸመይ ከመሓይሾ እኽእል፧’ ዚብል ሕቶ ኣገዳሲ እዩ። [ኣብ ገጽ 26 ገንጽል።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነዚ ኣገዳሲ ኽፋል ኣምልኾና ኸነመሓይሸሉ እንኽእል መዳያት ትሕብር።”
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ታሕ.
“ኣብዚ እዋን እዚ፡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ የሱስ ይሓስቡ እዮም። የሱስ ንዓኻ እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩልካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብነቱ ኽንስዕብ የተባብዓና እዩ። [1 ጴጥሮስ 2:21 ኣንብብ።] ከምኡ እንተ ጌርና፡ ዝሓሽናን ዝያዳ ሕጉሳትን ንኸውን። እዛ መጽሔት እዚኣ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዚኸውን ክትገልጸልካ እያ።”
Awake! Dec.
“ሰባት ብዛዕባ እዛ ሕቶ እዚኣ ንዘመናት ኪሓስቡ ጸኒሖም እዮም። [ናብታ ኣብ ገበር ዘላ ሕቶ ኣመልክት።] ዜዕግብ መልሲ፡ ኣበይ ክንረክብ እንኽእል ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ካብ ኣምላኽ መልሲ እንጽበየሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ እሞ ኣስተብህል። [መዝሙር 100:3 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ከም ዚብል ትሕብር።”