ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ሓምለን ነሓሰን:- ብሮሹራት። መስከረም:- መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ጥቅምቲ:- መጽሔታትን እታ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክትን (T-26)።
◼ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምርን ንኽንመርሕን ብሮሹር ብቕዓት ዘይኰነትስ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ክንጥቀም ኣሎና። ኣብ መኽዘን ዘሎ ብሮሹር ብቕዓት ክሳዕ ዚውዳእ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽንዕድላ ንኽእል ኢና።
◼ ነሓሰ ሓሙሽተ ቐዳመ ሰናብቲ ስለ ዘለዋ: ሓጋዚ ፈላሚ ንምዃን እትምሽእ ወርሒ እያ።
◼ ሓለውቲ ወረዳ ኻብ ወርሒ መስከረም ኣትሒዞም: “ብንጽህና ተመላለሱ” ዘርእስቱ ህዝባዊ መደረ ኺህቡ እዮም።
◼ ሓድሽ ኣብ መኽዘን:- እንግሊዝኛ:- ኣብ ዲቪዲ፣ ጂሆቫስ ዊትነስስ ... ሸይር ዘ ጉድ ኒውስ ከምኡውን ኣዋር ሆል ኣሶስየሽን ኦቭ ብራዘርስ (dvjwa)፣ ኣብ ሲዲ:- መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር፣ ንየሆዋ ቕረቦ፣ ሓጐስ ስድራቤት፣ ዝዓበየ ሰብኣይ፣ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት፣ ኣብ ኤምፒ3:- ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት፣ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር፣ ሓጐስ ስድራቤት፣ ዓብዪ መምህር፣ ዝዓበየ ሰብኣይ፣ ብቕዓት፣ ኪንግደም ሜሎዲስ፣ ትርጕም ሓዳስ ዓለም፣ ሳቲስፋይንግ ላይፍ። ቻይንኛ (Simplified):- ክርኤሽን።
◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ዝመጸ:- ኣምሓርኛ:- ሲንግ ፕረይዝስ፣ እንግሊዝኛ:- ሪዝኒንግ፣ ኢንሳይት፣ ኢንዴክስ 2001-2005፣ ኦሮምኛ:- ብቕዓት፣ ፈረንሳይኛ:- ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት።