ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/08 ገጽ 7
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
km 1/08 ገጽ 7

ምልክታታት

◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ጥሪ:- ፍልጠት ወይ ንቑሕ ኩን!። ለካቲት:- መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት። መጋቢት:- መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧። ሚያዝያን ግንቦትን:- መጽሔታት።

◼ መጋቢት ሓሙሽተ ቐዳመ-ሰናብቲ ስለ ዘለዋ: ሓጋዚ ፈላሚ ንምዃን እትምሽእ ወርሒ እያ።

◼ ካብ ለካቲት ክሳዕ 2 መጋቢት ኣብ ዚህሉ ግዜ ብሓለውቲ ወረዳ ዚወሃብ ሓድሽ ህዝባዊ መደረ: “ኣብ ግዜ ጸበባ ካበይ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል፧” ዚብል ኪኸውን እዩ።

◼ ጉባኤታት ነቲ ቐዳም 22 መጋቢት ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ዚግበር በዓል ዝኽሪ ንምብዓል ግቡእ ምድላዋት ኪገብራ ኣለወን። እቲ መደረ ኣቐዲሙ ኺጅመር ዚከኣል እኳ እንተ ዀነ: እቲ ናይ ዝኽሪ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ምዛር ግን ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ ኺጅመር የብሉን። ኣብ ከባቢኹም ጸሓይ እትዓርበሉ ሰዓታት ንምፍላጥ ምንጭታት እቲ ኸባቢ ተወከሱ። ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ናይ ገዛእ ርእሳ በዓል ዝኽሪ ኽትገብር ኣለዋ። እዚ ግን ሓድሓደ ግዜ ዘይከኣል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ጉባኤታት ሓንቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚጥቀማ ምስ ዚዀና: ምናልባት ሓዲአን ወይ ገሊአን ነታ ምሸት እቲኣ ኻልእ መኣከቢ ቦታ ኺደልያ ይኽእላ እየን። ኵላቶም ካብቲ ኣጋጣሚ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺጥቀሙ: ኣብ መንጎ ናይ ክልተ ጉባኤታት መደብ እንተ ወሓደ ናይ 40 ደቒቕ ፍልልይ ክትገብሩ ጽቡቕ እዩ። ናይ ትራፊክ ኵነታት: ናይ ማካይን ደው መበሊ: ከምኡውን ነቶም ሓደስቲ ሰባት ከነምጽኦምን ክንመልሶምን ከለና እተን ማካይን ኣበይ ደው ኢለን ከም ዜውርዳኦም ኪሕሰበሉ ኣለዎ። ኣካል ሽማግለታት ኣብቲ ኸባቢ እንታይ ምድላው እንተ ገበሩ ዝበለጸ ኸም ዚኸውን ኪውስኑ ይግባእ።

◼ እቲ በዓል ዝኽሪ 2008 ኣብ ዚግበረሉ ወቕቲ ዚወሃብ ፍሉይ ህዝባዊ መደረ 31 መጋቢት 2008 ኣብ ዚጅምር ሰሙን ኪቐርብ እዩ። ኣርእስቲ እቲ መደረ “ንደቂ ሰብ ኪገዝእ ብቕዓት ዘለዎ መን እዩ፧” ዚብል እዩ። እተን ኣብ ቀዳመ-ሰንበት እታ ሰሙን እቲኣ ምብጻሕ ሓላው ወረዳ ዘለወን ጉባኤታት እቲ ፍሉይ መደረ ኣብታ ቐጺላ ዘላ ሰሙን ኪወሃበን እዩ። ዝዀነት ትኹን ጉባኤ ነዚ ፍሉይ መደረ እዚ ቕድሚ ሰንበት 15 ሚያዝያ ኽትወስዶ ኣይግባእን እዩ።

◼ ናይ ጉባኤ ጸሓፍቲ ንነፍሲ ወከፍ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ስሩዕ ፈላሚ ዚኸውን እተሸመሉ ደብዳበ ሽመት (S-202) ኪሕዙ ኣለዎም። እንተ ዘይኣልይዎም ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪጽሕፉ ኣለዎም።

◼ ሓድሽ ኣብ መኽዘን:- እንግሊዝኛ:- ሲንግ ፕረይዝስ ብኤምፒ3፣ ፐርስዩ ጎልስ ዛት ኦነር ጎድ ብዲቪዲ።

◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ዝመጸ:- ቻይንኛ (Simplified):- ክርኤተር፣ ኣምሓርኛ:- ሓጐስ ስድራቤት፣ ብምንባር ተሐጎሱ!፣ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ፣ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ፣ T-19፣ T-21፣ T-27፣ እንግሊዝኛ:- መምህር፣ መገዲ ህይወት፣ ሲንግ ፕረይዝስ (ዓብዪ)፣ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም—ምስ መወከሲኡ (Rbi8)፣ ኦል ስክሪፕቸርስ፣ ክሪኤተር፣ ፕሮክለይመርስ፣ ኦሮምኛ:- T-15።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ