ናይ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
ድግማ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 31 ታሕሳስ 2007 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 5 ሕዳር ክሳዕ 31 ታሕሳስ 2007 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ።
ባህርይ ዘረባ
1. ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት: መእተዊ እንተ ደኣ ነዊሑ እንታይ እዩ ዜጋጥም፧ [ht ገጽ 19 ሕ.ጽ. 14]
2. ቀንዲ ዕላማ መዕጸዊ እንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 80 ሕ.ጽ. 4]
3. ሓደ ተዛራባይ ብዛዕባ ልክዕነት እቲ ዚብሎ ሓሳባት ኪጥንቀቕ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 14 ሕ.ጽ. 10]
4. ኣብ እተወሰነ ነጥብታት ዘተኰረ መደረ ኸነዳሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ [ht ገጽ 13 ሕ.ጽ. 3]
5. ልሙድ ዘይኰነ ስያመታት ክንገልጾ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 16 ሕ.ጽ. 17]
ክፍሊ ቍ. 1
6. ጸብጻብ ዮናስ ሓቅነት ዘለዎ ምዃኑ ዜረጋግጽ እንታይ እዩ፧ [bsi07 ገጽ 18 ሕ.ጽ. 3]
7. ኣብ ትንቢት ሚክያስ ዚርከብ እንታይ ትንቢት እዩ ምስታ ብክርስቶስ የሱስ እትግዛእ መንግስቲ ኣምላኽ ዚተኣሳሰር፧ [bsi07 ገጽ 21 ሕ.ጽ. 18]
8. መጽሓፍ ኣንባቆም መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሳ ምዃና ዜረጋግጽ እንታይ እዩ፧ [bsi07 ገጽ 23 ሕ.ጽ. 4]
9. ኣይሁድ ነቲ ናብ ዓዶም እተመልሱሉ ዕላማ ኽሳዕ 520 ቅ.ክ. ኣይፈጸምዎን ኪበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧ (ሃጌ 1:4) [bsi07 ገጽ 27 ሕ.ጽ. 3]
10. ዘካርያስ ንኣየነይቲ እተደንቕ መዓልቲ እዩ ብተደጋጋሚ ዚጠቅስ ነይሩ፧ [bsi07 ገጽ 30 ሕ.ጽ. 26]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. እቲ ብዛዕባ መጥቃዕቲ ሓሸራታት ዚገልጽ ትንቢት ዮኤል ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተፈጸመ ብኸመይ እዩ፧ ሎሚኸ ብኸመይ ይፍጸም ኣሎ፧ (ዮኤ. 2:1-10, 28) [w07 1/10 “ቃል የሆዋ ህያው እዩ: ካብ ትንቢት ዮኤልን ትንቢት ኣሞጽን ዚጐልሕ ነጥብታት”]
12. እቲ “ብሱል ፍረ ዝመልኤ ኸፈር” እንታይ የመልክት፧ (ኣሞ. 8:1, 2) [w07 1/10 “ቃል የሆዋ ህያው እዩ: ካብ ትንቢት ዮኤልን ትንቢት ኣሞጽን ዚጐልሕ ነጥብታት”]
13. የሆዋ ነቲ ‘ንሰብ ነነዌ ኼውርደሎም ኢሉ እተዛረቦ መዓት እተጣዕሰሉ’ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ ንዓና ብኸመይ ይጸልወና፧ (ዮና. 3:10) [w03 15/7 ገጽ 17-18]
14. ብስም የሆዋ ምምልላስ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ሚክ. 4:5) [w03 15/8 ገጽ 17 ሕ.ጽ. 19]
15. የሆዋ ኣብዚ ግዜና መዓስን ብኸመይን እዩ ናብ “መቕደሱ” ኺፈርድ ዝመጸ፧ (ሚል. 3:1-3) [re ገጽ 32 ሳጹን፣ jd ገጽ 179 ሕ.ጽ. 3–ገጽ 181 ሕ.ጽ. 6 እንግሊዝኛ]