ናይ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ድግማ
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 25 ሰነ 2007 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 7 ግንቦት ክሳዕ 25 ሰነ 2007 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ባህርይ ዘረባ
1. ኣደማምጻኻ ንምምሕያሽ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ [ht ገጽ 52 ሕ.ጽ. 32-34]
2. ብዛዕባ እቲ ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕሲ ህንጥዮት ከም ዘለዓዓልካ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧ [ht ገጽ 29 ሕ.ጽ. 19]
3. ሓደ ተዛራቢ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ምግባር ኣመል እንተ ደኣ ኣልይዎ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧ [ht ገጽ 37 ሕ.ጽ. 20]
4. ውዕዉዕ ስምዒት ምንጽብራቕ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 67 ሕ.ጽ. 1]
5. ምዉቕ ኣቀራርባ ንሰማዕትኻ ብኸመይ ይጸልዎም፧ [ht ገጽ 69 ሕ.ጽ. 11]
ክፍሊ ቍ. 1
6. መደረ ኸነቕርብ ከለና ንሰማዕትና ብውጽኢታዊ መገዲ ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜቕልቡ ኽንገብሮም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ [ht ገጽ 26 ሕ.ጽ. 3]
7. ጥቕሲ ቕድሚ ምንባብካ ሰማዕቲ ነቲ ጥቕሲ ኺረኽብዎ ግዜ ምሃብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 27 ሕ.ጽ. 5]
8. ሓደ ኽኢላ ተዛራባይ ምስ ሰማዕቲ ዘለዎ ርክብ ንኸየቋርጽ እንታይ እዩ ዜወግድ፧ [ht ገጽ 42 ሕ.ጽ. 1]
9. ነብዪ ኤርምያስ ብትብዓት ቅንኣት ብምርኣይ ዝመጸ እንታይ ኣብነት ሓዲጉልና፧ [bsi07 ገጽ 3 ሕ.ጽ. 36]
10. ድጕዓ ኤርምያስ እንታይ ምትእምማን እያ እትገልጽ፧ ኣምላኽ ንእኩያት ሰባት ተሪር ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ምግላጻ ጠቓሚት እትኸውንከ ስለምንታይ እያ፧ [bsi07 ገጽ 5 ሕ.ጽ. 13]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. ምስቲ ኣብ ኤርምያስ 37:21 ተገሊጹ ዘሎ ተመክሮ ኤርምያስ ብምስምማዕ እንታይ መረጋገጺ ኽንረክብ ንኽእል፧
12. ባሩኽ: የሆዋ ‘ኣብ ርእሲ ቓንዛኡ ሓዘን ብምውሳኽ’ ከም ‘ዚሕለል’ ከም ዝገበሮ እተዛረበ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ ነቲ ሽግርከ ፈለማ ብኸመይ ምላሽ ሃበሉ፧ (ኤር. 45:1-5)
13. ባቢሎን ሰብ ዘይነብረላ ዀይና ‘ዝባደመት’ መዓስ እያ፧ (ኤር. 50:13)
14. ኣብ ድጕዓ ኤርምያስ 3:8, 9, 42-45 ንጸሎት ዚምልከት እንታይ ስርዓት እዩ ብንጹር ተገሊጹ ዚርከብ፧
15. እቲ ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 1 ተገሊጹ ዘሎ ሰረገላ እንታይ እዩ ዜመልክት፧