ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/07 ገጽ 7
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 4/07 ገጽ 7

ምልክታታት

◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን:- መጽሔታት። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብሩ ኸለኹም: ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ንምዕዳል ጽዓሩ። ሰነ:- እንግሊዝኛ:- ኢዝ ዘር ኤ ክሪኤተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ ካልእ ቋንቋታት:- መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት። ሓምለን ነሓሰን:- ብሮሹራት።

◼ ካብ ሰነ ኣትሒዙ: ንናይ 2007 ኣኼባ ኣውራጃ ዜድሊ ባጅ ካርድ ምስቲ ጽሑፋት ኪለኣኽ እዩ። ባጅ ካርድ ኪለኣኸልኩም ምሕታት ኣይኬድልን እዩ። እታ ጉባኤ ተወሳኺ ባጅ ካርድ እንተ ደልያ: ብመሕተቲ ጽሑፋት ፎርም (S-14) ገይራ ኽትሓትት ኣለዋ። ኣብታ ጉባኤ ናይ ባጅ መትሓዚ ፕላስቲክ ዚደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ምስ ዚህሉ ኽትእዝዙ ትኽእሉ ኢኹም።

◼ ናይ ጉባኤ ጸሓፍቲ እኹል ቀረብ እቲ ስሩዕ ፈላሚ ንምዃን መመልከቲ (S-205) ከምኡውን ሓጋዚ ፈላሚ ንምዃን መመልከቲ (S-205b) ኪሕዙ ኣለዎም። እዚ በቲ መሕተቲ ጽሑፋት ፎርም (S-14) ጌርካ ኺእዘዝ ይከኣል እዩ። እንተ ወሓደ ንሓደ ዓመት ዚኣክል ሓዙ። እቲ ስሩዕ ፈላሚ ንምዃን መመልከቲ ፎርምታት ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ቅድሚ ምልኣኽኩም ብግቡእ ከም እተመልአ ኣረጋግጹ።

◼ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ ኵሎም ኣስተናበርቲ ሓለውትን ጸሓፍትን ኣድራሻን ቍጽሪ ተሌፎንን ኪሕዝ ይደሊ እዩ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ለውጢ እንተ ኣልዩ: እቲ ኮሚተ ኣገልግሎት ጉባኤ ነቲ ለውጢ ኣድራሻ ኣስተናባሪ ሓላዊ/ጸሓፊ ዚሕብር ፎርም (S-29) መሊኡ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብቕልጡፍ ኪልእኾ ኣለዎ። ናይ ተሌፎን ለውጢ እንተ ኣልዩ እውን እዚ ቕጥዒ እዚ ኺስደድ ኣለዎ።

◼ ብጕዳይኩም ናብ ካልእ ዓዲ ምስ እትገሹ: ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ: ኣብ ኣኼባ ወረዳ: ወይ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ኽትካፈሉ ምስ እትደልዩ: እዚ ኣኼባታት መዓስን ኣበይን ከም ዚግበር ንምፍላጥ ኣብታ ሃገር ዚግበር ዕዮ ስብከት ንእትከታተል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሕተቱ። ኣድራሻታት ኣብያተ-ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ናይ መወዳእታ ገጽ ኣብዚ ዓመት እዚ ዝወጸ ዓመት መጽሓፍ ኪርከብ ይከኣል እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ