ናይ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
ድግማ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 30 ሚያዝያ 2007 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 5 መጋቢት ክሳዕ 30 ሚያዝያ 2007 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ባህርይ ዘረባ
1. እተዋጽአ ጽሑፍ ተጠቒምካ መደረ ምቕራብ: ምድላው ሸለል ከም እትብል ዚገብር ድዩ፧ [ht ገጽ 45 ሕ.ጽ. 18-19]
2. ኣብ መብዛሕትኡ መደረታት: ንሓደ ነጥቢ ምስቲ ኻልእ ንምውህሃድ እንታይ የድሊ፧ [ht ገጽ 53 ሕ.ጽ. 2]
3. ሓደ ሓሳባት ቀንዲ ሓሳባት ድዩ ወይስ ኣይኰነን ብኸመይ ትፈልጥ፧ [ht ገጽ 57 ሕ.ጽ. 21]
4. ክንደይ ዚኸውን ዓቐን ድምጺ ኸም እትጥቀም ክትውስን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ [ht ገጽ 23 ሕ.ጽ. 12]
5. መደረ ኸተቕርብ ከለኻ: ነቲ መግለጺታት ከምቲ ዘለዎ ኻብቲ ጽሑፍ ክትደግሞ ዘይብልካ ስለምንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 48 ሕ.ጽ. 12]
ክፍሊ ቍ. 1
6. ኣብ ኣመዓባብላ ሓሳባት ኪሰዓብ ዘለዎ መሰረታዊ መገዲ እንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 54 ሕ.ጽ. 9-55 ሕ.ጽ. 13]
7. ብዛዕባ በጃ ክርስቶስ ካብቲ ብእኡ ዚርከብ ጥቕሚ ንላዕሊ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር እንታይ እዩ፧ [w05 1/11 ገጽ 14 ሕ.ጽ. 1]
8. ሓንቲ ጉባኤ መሳርሒታት መጕልሒ ድምጺ ትጥቀም እንተ ደኣ ዀይና: ነቲ ተመሃራይ ንድምጺ ኣመልኪትካ ምኽሪ ምሃብ ኣድላዪ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 21 ሕ.ጽ. 6]
9. ቅኑዕ ወይ ጌጋ በል። ሓደ ተመሃራይ መደረ ኬቕርብ ከሎ: ምዕራፍ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዕረፍቲ ኺገብረሉ ዘለዎ ቦታታት ንምልላይ እውን ኣብቲ ብንባብ ዚቐርብ ጽሑፍ ወይ ኣስተዋጽኦ ምልክት ኪገብር ይኽእል እዩ። [ht ገጽ 24 ሕ.ጽ. 20]
10. ዓው ኢልካ ዚንበብ ጽሑፍ ልክዕ ከም እትዛረብ ዘለኻ ጌርካ ኸተቕርቦስ ይከኣል ድዩ፧ [ht ገጽ 50 ሕ.ጽ. 21]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. ነቲ ኣብ ኤርምያስ 6:16 ዚርከብ በቲ “ጥንታዊ መገድታት: እቲ ጽቡቕ ጐደና” ንኽንመላለስ እተዋህበ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
12. የሆዋ ንራዛ ነቶም ዘይእሙናት ኣይሁዳውያን ከም መምሃሪ ገይሩ ዝመረጾ ስለምንታይ እዩ፧ ንሕናኸ ኻብዚ እንታይ ንመሃር፧ (ኤር. 8:7)
13. ኤርምያስ 15:17 ኣብቲ ሎሚ ንመዘናግዒ ዘሎና ኣረኣእያ ኣብ ግብሪ ኸነውዕላ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
14. ሰባት ኣብ ኢድ እቲ ዓብዪ ሰራሕ መሬት ከም መሬት ዚዀኑ ብኸመይ እዮም፧ (ኤር. 18:5-11)
15. እቲ ኣብ ኤርምያስ 25:17-26 ሃገራት ተዘርዚረናሉ ዘለዋ መስርዕ ነዚ ግዜና ኣገዳሲ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧