ተገደስቲ ዘበሉ ፍርሂ ሰብ ንኼሰንፉ ሓግዞም
1 ምሳሌ 29:25 “ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእቱ” ትብል። ኣብ ክልና ሓቅነት እዚ ቓላት እዚ ብዙሕ ሳዕ ንርኢ ኢና። ሓድሓደ ግዜ ሰማዕትና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ንኽንነግር ኢልና ፈለማ ምስ ቀረብናዮም ብሰንኪ እቲ ንጐረባብቲ: ንኣዝማድ: ንመማህርቲ: ንመሳርሕቲ: ወይ ንኣቕሽሽቲ ዘለዎም ፍርሂ ተገዳስነቶም ኪዕበጥ ይኽእል እዩ። ኣብ ካልእ ግዜያት ከኣ ተመላሊስካ ምብጻሕ ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ክንከይድ ከለና: ብሰንኪ እዚ ፍርሂ እዚ ተገዳስነቶም ጠፊኡ ይጸንሓና። በዚ ኸምዚ ኸምቲ ንየሱስ ዝሰምዕዎ ሰባት ብዙሕ በረኸት ዘምለጦም: ሓያሎ ሰባት ብዙሕ በረኸት የምልጦም ኣሎ።—ዮሃ. 12:42, 43፣ 7:10-13፣ 9:18-22
2 እተወሰነ ኽልታት ብኣኽረርቲ ሰባት እንተ መሊኡ እንታይ ኢና እንገብር፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ኽሊ ኣብ እንሽፍነሉ ኣገባብ ምትዕርራይ ክንገብር የድልየና ይኸውን። ብተወሳኺ: ሰባት ብዛዕባና ሕማቕ ኣረኣእያ ኺህልዎም ስለ ዚኽእል: ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ብምሕታት ምይይጥ ከነጀምር ንኽእል ኢና:- “ናይ ሓሶት ክርስትያናት እዮም ብዛዕባ ዚበሃሉ ሰባት ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። የሱስ ነዚኣቶም ብኸመይ ከም እነለልዮም ኪገልጽ ከሎ እንታይ ከም ዝበለ ትፈልጦዶ፧” ድሕሪኡ: ኣብ ማቴዎስ 7:15-20 ገንጺልካ ኣርእዮ: ቀጺልካ እውን ቍጽሪ 13ን 14ን ኣንብበሉ። ወይ ከኣ “እንታይ ይመስለካ፧ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኵሉ ኺፈትዎም ድዮም ኪጽበዩ ዘለዎም ወይስ ምጽራር እዮም ኪጽበዩ ዘለዎም፧” ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። ድሕርዚ ድማ ማቴዎስ 5:11, 12 ወይ 10:22 ከተንብበሉ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ እውን “ብዛዕባ ስብከት የሱስ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣሕጽር ኣቢለ ኸርእየካ። እንታይ ይመስለካ፧ ብዙሓት ሰባት ንመልእኽቲ የሱስ ተቐቢሎምዎ ድዮም ወይስ ነጺጎምዎ፧” ኢልካ ሕተት። ቀጺልካ ዮሃንስ 15:18-20 ኸተንብብ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣቀራርባ ኣብ ገሊኡ ኽልታት ንዚርከቡ ሓያሎ ሰባት ሓጊዙ እዩ።
3 ተገደስቲ ሰባት መንፈሳዊ ግስጋሰ ንኺገብሩ ዜድልዮም ትብዓት ምእንቲ ኺረኽቡ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ ተጻረርቲ ኣብ መጀመርታ ምብጻሕና ዝርርብና ምስ ዚዀልፉና: ሓድሓደ ግዜ ነቲ ዚሰምዓና ዝነበረ ሰብ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ንኺምስርትን ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኺረክብን ዜኽእል ምይይጥ ካብ ምግባር ዝሓሸ ነገር ኪገብረሉ ዚኽእል ሰብ ከም ዘየለ ብሜላ ኸነዘኻኽሮ ንኽእል ኢና። ሓደ ኣስፋሒ ነቲ ሰማዒኡ “ሓንጐልና ኻብ ኣምላኽ እተዋህበና ዜደንቕ ውህበት ከም ዝዀነስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ እሞ ደኣ ኻልኦት ሰባት ብርእስና ኣብ መደምደምታ ንኸይንበጽሕ ኪኽልክሉና ኽንሓድጎምዶ ይግባእ፧” ኢሉ ሓተቶ። ኣብ ገሊኡ መዳያት ካብቲ ቦታ ኸተልግስን ነቲ ተገዳሲ ኣብ ካልእ ቦታ ኽትረኽቦን ዝሓሸ እዩ።
4 ሓድሓደ ግዜ ናይ መጀመርታ ምይይጥ ድሕሪ ምግባር: እቲ ሰማዒ ብተጻረርቲ ጸቕጢ ኸም ዚወርዶ ኺግመት ይከኣል እዩ። ስለዚ: ኣብ መወዳእታ ምይይጥኩም: “እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ዜተባብዕ ኰይኑዶ ረኺብካዮ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: እቲ ጸላኢ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ይሕጐስዶ ይመስለካ፧ እሞ ደኣ ተስፋ ንኬቝርጸካ እንታይ ኪገብር ይኽእል፧” ክትብሎ ትኽእል ኢኻ። ድሕርዚ 1 ዮሃንስ 5:19 ወይ 1 ጴጥሮስ 5:8 ድሕሪ ምንባብ: “ሓደ ሰብ መጺኡ ምስዚ መልእኽቲ እዚ ዚጻረር እንተ ተዛሪቡካ: እንታይ መትከል ኢኻ ኽትሕዝ ዘሎካ፧” ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ።
5 ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ: “የሱስ ንመገዲ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምስ ጸባብ ደገን ቀጣን መገድን ዘመሳሰላ ስለምንታይ እዩ፧” ብዛዕባ ዚብል ርእሰ ነገር ክትዳሎ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ ብኸም ማቴዎስ 7:13, 14፣ ማቴዎስ 5:11፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:12 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ጌርካ ኸተረድእ ትኽእል ኢኻ። ኣስዕብ ኣቢልካ ኣብ ምሳሌ 29:25 ወይ መዝሙር 56:11 ዚርከብ ዜተባብዕ ቃላት ከተንብበሉ ትኽእል ኢኻ። ደገፍ ኣምላኽ ንምርካብ: ጸሎት ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕልሕ። እቲ ዝገለጽካሉ ነገር ካብ ቃል ኣምላኽ ጥራይ ድዩ ወይስ ካብ ካልእ ምንጪ እውን ሕተቶ። መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጻረሩ ሰባት: ስኽራን: ሓሽሽ ምውሳድ: ወይ ካልእ ሕማቕ ኣመላት ከም ዘይጻረሩ ሓብሮ፣ እዚ ድማ ከም ዝዓወሩ የርኢ። ሓቂ ብቐሊሉ ኽንፍንዋ ዘይግባእ መዝገብ ምዃና ጥቐሰሉ: ንሓቂ እንተ ሓዲግናያ ኸኣ ንዓና ዀነ ንኣዝማድና ዀነ ንእንፈልጦም ሰባት ከም ዘይጠቅም ሓብሮ።
6 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተጀመረ: ነቲ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ንዜጋጥሞ ምጽራር ኣዳልዎ። ነቲ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 17 ሕጡብ ጽሑፍ 22 ዚርከብ ሓሳባት ኣስፍሕ ኣቢልካ ኽትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ በታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ጌርኩም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትገብሩ እንተ ኣሊኹም: ኣብ ትምህርቲ 1: ሕጡብ ጽሑፍ 3: ከምኡውን ትምህርቲ 4: ሕጡብ ጽሑፍ 7 ጽቡቕ ሓሳባት ኪርከብ ይከኣል እዩ። ሓድሓደ ግዜ ግን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተጀመረ ኣይኰነን ምጽራር ዚመጽእ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መዳይ: ጸኒሕካ እውን ተመሳሳሊ ሓሳብ ምጥቃስ ኣድላዪ እዩ። ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ እዋን: ንቐዳሞት ክርስትያናት ይጻረርዎም ከም ዝነበሩ ኸተርእዮ ትኽእል ኢኻ። (ግብ. 28:22) ናብቲ የሱስ ብዛዕባ እተን ክልተ መገድታት ዝሃቦ ምሳሌ ኽትምለስን ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምርጫ ኺገብሩ ኸም ዘለዎምን ከተጕልሕ ትኽእል ኢኻ። (ማቴ. 7:13, 14) ምስ መንእሰያት ኣብ ዚግበር ምይይጥ ከኣ: እቲ ኣብታ መንእሰያት ዝሓትዎ እትበሃል መጽሓፍ: ኣብ ገጽ 73-80 ዚርከብ ሓበሬታ ኣዝዩ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ: ነቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከይግበር ዚዓናቕጹ ሰባት ልኡም ምላሽ ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ኸነጕልሕ ኣሎና። ኣብ ሮሜ 12:17-21፣ ምሳሌ 15:1፣ ወይ 1 ጴጥሮስ 3:15 ዚርከብ ሓሳባት: ነዚ ነጥቢ እዚ ንምጕላሕ ኪጠቅም ይኽእል።
7 ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ጸሎት ዘለዎ ሓይሊ ኽንርስዕ የብልናን። የሆዋ ኣልባብ የንብብን ንቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ናብኡ ይስሕብን እዩ። (ዮሃ. 6:44) ዜድሊ ሓገዝ ንምሃብ ኢዱ ሓጻር ኣይኰነትን። ምእንቲ ኻልኦት እነቕርቦ ለመና ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ: ነቶም እንሰብከሎምን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎምን ተገደስቲ ብፍላይ ኣብ ጸሎትና ጠቒስና የሆዋ ትብዓት ንኺህቦም ክንጽልየሎም ግቡእ እዩ።—ያእ. 5:16
8 ከምቲ “ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋት” ዝገበርዎ: ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ብምውካል ንፍርሂ ሰብ ኬሰንፎ ይኽእል እዩ። (1 ጴጥ. 5:9፣ ምሳ. 29:25፣ መዝ. 27:1፣ ፊል. 4:13) ኣምላኽ ዘለዎ እሙን ፍቕርን ንምድሓን ዘለዎ ሓይልን ዜድሊ ብርታዐ ይህብ እዩ። (መዝ. 37:28፣ 118:6፣ ኢሳ. 41:10፣ 54:17) እምበኣር: ካልኦት ሰባት ነዚ ነጥብታት እዚ ኸምኡውን ነቲ የሆዋ ነቶም ፍርሂ ሰብ ዜሰንፉን ኣገልገልቱ ዝዀኑን ኣንቢሩሎም ዘሎ ዘለኣለማዊ ዓስቢ ንኺግንዘቡ ንሓግዞም።—ምሳ. 27:11፣ መዝ. 15:1, 2