መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሕዳ.
“ሎሚ: ንቘልዑ ብዛዕባ ምዕባይ ዚምልከት ብዙሕ ተጋራጫዊ ሓሳባት እዩ ዘሎ። ወለዲ ዜተኣማምን ምኽሪ ኺረኽቡ ዚኽእሉዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ መዝሙር 32:8 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ንቘልዑ ብዛዕባ ምዕባይ ዚምልከት ግብራዊ መምርሒ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ተቕርብ።”
Awake! Nov.
“ገለ ሰባት ኣምላኽ ናይ ዝዀነ ይኹን ዜጋጥም ነገር ተሓታቲ ዀይኑ ይስምዖም። ሓደ ዜሐዝን ነገር ምስ ዜጋጥም: ኣምላኽ ከምዚ ዝገበረ ገለ ጽቡቕ ምኽንያት ስለ ዘለዎ እዩ ይብሉ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ: ብድሕሪኡ ያእቆብ 1:13 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ብዛዕባ ጠንቂ ስቓይን ኣምላኽ ስቓይ ንምልጋስ እንታይ ይገብር ከም ዘሎን መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሕዳ.
“ገለ ሰባት ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣዝዩ ብዙሕ ብልሽውና ርእዮም: ‘ቅኑዕ ክገብር ኢለ ዝጋደልሲ እንታይ ገደሰኒ፧’ ኢሎም ይሓስቡ። ከምዚ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ዜተባብዕ ቃላት እሞ ኣስተብህለሉ። [ምሳሌ 2:21, 22 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ቕኑዕ ክትኰነሉ ዘሎካ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምኽንያት ትገልጽ።”
Awake! Dec.
“ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ መን እዩ ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ሰባት የሱስ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ከም ዝዀነ ገይሮም ይርእይዎ። ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ንምድሪ እንታይ ከም ዚገብረላ እሞ ርአ። [ኣብ ገጽ 8-9 ዘሎ ስእሊ ኣርእዮ: ሓንቲ ኻብተን ኣብኡ ተጠቒሰን ዘለዋ ጥቕስታት ድማ ኣንብበሉ።] እዛ መጽሔት እዚኣ የሱስ ነዚ ብኸመይን መዓስን ከም ዚፍጽሞ ትገልጽ።”