ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/06 ገጽ 1
  • ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ኣይትሕደጋ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ኣይትሕደጋ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፍቕርኻ ኽትዝሕል ኣይትሕደጋ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ንብጻይና ምፍቃር እንታይ ማለት እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣፍቅሮ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ብፍቕሪ ተሃነጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
km 12/06 ገጽ 1

ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ኣይትሕደጋ

1 እቲ ኽብሪ ዝዓሰሎ የሱስ: ነታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ኤፌሶን: “ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ እሞ እዚ ረኺበልካ አሎኹ” በላ። (ራእ. 2:4) ብዙሓት ካብኣቶም ነታ ንየሆዋ ዝነበረቶም ቀዳመይቲ ፍቕሪ ሓዲጎምዋ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ሓቂ ኽንመሃር ከለና: ንየሆዋን ንብጾትናን ሓያል ፍቕሪ ኣማዕቢልና ኢና፣ እዚኣ ድማ ነታ ሓዳስ ዝረኸብናያ ተስፋ ንኻልኦት ብቕንኣት ከነካፍሎም ኣለዓዒላትና እያ። ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርና ኸይንሓድግን ኣብ ኣገልግሎት ከይንዝሕትልን እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

2 ብሕታዊ መጽናዕትን ኣኼባታት ምክፋልን:- መጀመርታ ሓቂ ኽንመሃር ከለና: ንኣምላኽን ንብጾትናን ከም እነፍቅር ዝገበረና እንታይ እዩ፧ እቲ መጽናዕቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምግባር ብዛዕባ የሆዋ እተማሃርናዮዶ ኸይኰነ፧ (1 ዮሃ. 4:16, 19) ስለዚ: ፍቕርና “እናበዝሔ ኪኸይድ”: “መዓሙቝ ኣምላኽ” ብምዅዓት ርጡብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ምውሳድ ክንቅጽል ኣሎና።—ፊል. 1:9-11፣ 1 ቈረ. 2:10

3 ኣብዘን ጭንቀትን ኣቓልቦኻ ዚሰርቕ ነገራትን ዝመልአን ዳሕሮት መዓልትታት: ጽቡቕ ልማድ ብሕታዊ መጽናዕቲ ኺህልወካ ኣጸጋሚ እዩ። (2 ጢሞ. 3:1) መንፈሳዊ ምግቢ እንምገበሉ ግዜ ኽንምድብ ኣሎና። ብፍላይ ‘እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኽንርኢ ኸለና’ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኣዘውቲርካ ምክፋል እውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ዚኸውን።—እብ. 10:24, 25

4 ኣገልግሎት:- ኣብ ኣገልግሎት ብቕንኣት ምክፋል ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርና ኸይንሓድግ ይሕግዘና። ነቲ ብስራት ክንሰብኽ ከለና: ንርእስና ብዛዕባ እቲ ፍቕራዊ መብጽዓታት የሆዋ ነዘኻኽራ፣ እዚ ኸኣ ተስፋና ብሩህ: ፍቕርና ድማ ህያው ክትከውን ይሕግዘና። ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ክንምህር እንተ ዄንና: ቅድም ንሕና ነቲ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ንኽንርድኦ ምርምር ክንገብር ኣሎና: እዚ ድማ እምነትና የደልድለልና።—1 ጢሞ. 4:15, 16

5 የሆዋ: ፍቕርና እውን ሓዊስካ ዅሉ ዚግብኦ እዩ። (ራእ. 4:11) ስለዚ: ፍቕርኻ ኽትሃስስ ኣይተፍቅደላ። ትጉህ ኴንካ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር: ኣኼባታት ኣዘውቲርካ ብምክፋል: ከምኡውን ነቲ እትፈትዎ ብስራት ብቕንኣት ብምእዋጅ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ኣደልድላ።—ሮሜ 10:10

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ