ናይ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
ድግማ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 25 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 6 ሕዳር ክሳዕ 25 ታሕሳስ 2006 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ባህርይ ዘረባ
1. ቀንዲ ዕላማ መዕጸዊ እንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 80 ቍ. 4]
2. ሓደ ተዛራባይ መደረ ኬቕርብ ከሎ ግዜ ምስ ዜሕልፍ: ኣብ መዕጸዊኡ እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧ [ht ገጽ 82 ቍ. 16]
3. ብመሰረቱ ግቡእ ዝዀነ ናይ ግዜ ንውሓት ንምርካብ እንታይ ምግባር የድሊ፧ [ht ገጽ 83 ቍ. 25]
4. ኣብ ቅድሚ ሰብ ወጺእካ ምዝራብ ንኽትለማመድ ኪሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 87 ቍ. 14]
5. ሓደ ተዛራባይ ኣብ ኣትራኖስ ኪምርኰስ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 90 ቍ. 26]
ክፍሊ ቍ. 1
6. ንጉስ ሰሎሞን ኣካቢ ዝነበረ በየናይ መገዲ እዩ፧ [bsi06 ገጽ 25 ቍ. 1-3]
7. መጽሓፍ መክብብ ምስ ትምህርትታት የሱስ እትሰማማዕ ብኸመይ እያ፧ [bsi06 ገጽ 26 ቍ. 16]
8. ንቐኖናውነት መሃልየ መሃልይ ዜረጋግጽ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧ [bsi06 ገጽ 28 ቍ. 3-4]
9. እቲ ኣብ ምዉት ባሕሪ እተረኽበ ጥቕላል ትንቢት ኢሳይያስ: እዚ ሕጂ ኣብ ኢድና ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ: ነቲ ኣብ ፈለማ ብመሪሕነት መንፈስ እተዳለወ መልእኽቲ ሒዙ ምህላዉ ዜእምን መርትዖ ዚህብ ብኸመይ እዩ፧ [bsi06 ገጽ 30 ቍ. 6]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
10. ‘እቶም ንየሆዋ ዚደልዩ ዅሉ ዜስተውዕሉ’ ብኸመይ እዮም፧ (ምሳ. 28:5)
11. ‘ንዓሻ ጻዕሩ ዜድክሞ’ ብኸመይ እዩ፧ (መክ. 10:15)
12. እታ ሱላሚት ከም “እተሸጐረ ገነት” ዝዀነት ብኸመይ እያ፧ ንዘይተመርዓዋ ክርስትያን ኣዋልድ ሰናይ ኣብነት እትዀነንከ ብኸመይ እያ፧ (መሃ. 4:12)
13. የሆዋ ንእስራኤላውያን “ንሓድሕድና ንማጐት” ኢሉ ምዕዳሙ: ምስ እስራኤላውያን ተዛትዩ ሕድገታት ኪገብር ፍቓደኛ እዩ ነይሩ ማለት ድዩ፧ (ኢሳ. 1:18ሀ)
14. ኢሳይያስ 11:6-9 ኣብ ግዜ ጥንቲ ፍጻሜኣ ዝረኸበት ብኸመይ እያ፧ ዝዓበየ ፍጻሜኣኸ እንታይ እዩ፧