መጽሔት ንምዕዳል ዚሕግዝ ኣቀራርባ ብኸመይ ከም እተዳሉ
1. ነቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዚወጽእ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ኣብ ክንዲ ምሽምዳድ መጽሔት ክንዕድል ዚሕግዘና ናይ ገዛእ ርእስና ኣቀራርባ ኸነዳሉ ዝበለጸ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧
1 ‘ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ብዙሕ ኣቀራርባ እናወጸ ኽነሱ: መጽሔት ንምዕዳል ዚሕግዝ ኣቀራርባ ባዕልና ኸነዳሉ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ብዙሓት ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ሓጋዚ ዀይኑ እኳ እንተ ረኸብዎ: ገና ግን ብብሕትና መጽሔት ንምዕዳል ዚሕግዝ ኣቀራርባ ኸነዳሉ ኣድላዪ እዩ። ኣብ ሓደ ኽሊ ውጽኢታዊ ዝዀነ ኣቀራርባ ኣብ ካልእ ክሊ ውጽኢታዊ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ስለዚ: መጽሔት ክንዕድል ከሎና: ቃል ብቓሉ ነቲ ኣብቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ዘሎ ቓላት ክንጥቀም ኣይንግደድን ኢና። ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ኽንጥቀም እንተ ደኣ መሪጽና እውን ከይተረፈ: ነቲ ሓሳባት ብናትና ቓላት ጌርና ኽንዛረቦ ዝበለጸ እዩ።
2. ኣየነይቲ ዓንቀጽ ከም እትጥቀም ምውሳን እንታይ የጠቓልል፧
2 ሓንቲ ዓንቀጽ ምረጽ:- ነታ መጽሔት ምስ ኣንበብካያ: ሓንቲ ነቲ ኽሊ እትበቅዕን ብፍላይ ባህ ዘበለትካን ዓንቀጽ ምረጽ። ነታ ዓንቀጽ ብምትእምማንን ብውዕዉዕ ስምዒትን ምስ እተቕርባ እቲ ብዓል ቤት እውን ኬንብባ ኺህንጠ እዩ። ኣብቲ ኽሊ ብዙሕ ተቐባልነት ኪህልዋ ዚኽእል ሓንቲ ዓንቀጽ ጥራይ እኳ ትጥቀም እንተ ዀንካ: ነቲ ኻልእ ክፋል እታ መጽሔት እውን ብዚግባእ ፍለጦ። ከምዚ ምግባርካ ኣብ ካልእ ርእሰ-ነገር ዚግደስ ሰብ ምስ ዜጋጥመካ ኣቀራርባኻ ንዕኡ ኸም ዚጥዕም ጌርካ ኸተመዓራርዮ የኽእለካ።
3. ጽቡቕ ውጽኢት ንምርካብ እንታይ ዓይነት መእተዊ ኢኻ እትጥቀም፧
3 ሕቶ ሕተት:- ድሕርዚ: መእተዊ ተጠንቂቕካ ኣዳሉ። እቲ ንመእተዊ እትጥቀመሉ ቓላት ኣገዳሲ እዩ። እቲ ብዓል ቤት ኣብታ ኸተቕርበሉ ደሊኻ ዘለኻ ዓንቀጽ ዘለዎ ተገዳስነት ንምልዕዓል ሓሳባቱ ኸም ዚገልጽ ዚገብር ሕቶታት ምሕታት ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣረኣእያኻ ኸም እትገልጽ ዚገብር ሕቶታት መብዛሕትኡ ግዜ ውጽኢታዊ እዩ። ነቲ ብዓል ቤት ባህ ዘየብሎን ናብ ክትዕ ኪመርሖ ዚኽእልን ሕቶታት ምሕታት ኣወግድ።
4. ኵነታት ምስ ዜፍቅድ: ነቲ ብዓል ቤት ሓንቲ ጥቕሲ ምንባብ እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧
4 ጥቕሲ ኣንብብ:- ኣብ መወዳእታ: ኵነታት እቲ ብዓል ቤት ዜፍቅድ እንተ ደኣ ዀይኑ ምናልባት ኣብታ እትመያየጠላ ዓንቀጽ እትርከብ ሓንቲ ጥቕሲ መሪጽካ ኣንብበሉ። ጥቕሲ ምንባብ: ነቲ ብዓል ቤት መልእኽትና ኻብ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ንኺርዳእ ኪሕግዞ ይኽእል እዩ። (1 ተሰ. 2:13) መጽሔታት ምቕባል እንተ ኣበየ እውን ከይተረፈ እታ ዘንበብናሉ ጥቕሲ ምስክርነት ክትህቦ እያ። ገለ ኣስፋሕቲ ሕቶ ቕድሚ ምሕታቶም ሓንቲ ጥቕሲ ብምንባብ ተገዳስነት እቲ ብዓል ቤት ኣለዓዒሎም እዮም። ነታ ጥቕሲ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ከተፋልጣ ትኽእል ኢኻ:- “ብዛዕባ እዚ ኣብዛ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ እዚኣ እተገልጸ ነገር ዘሎካ ርእይቶ ኽፈልጥ ምደለኹ።” ድሕርዚ ነቲ ብዓል ቤት ናብቲ ምስታ ጥቕሲ ዚሰማማዕ ኣብታ መጽሔት ዚርከብ ሓሳባት ከም ዜተኵር ግበሮ: ቅድሚ ነታ መጽሔት ምዕዳልካ ድማ ተገዳስነቱ ንምልዕዓል ሕጽር ዝበለ ሓሳባት ኣካፍሎ።
5. መጽሔት ንምዕዳል ዚሕግዝ ኣቀራርባ ኸተዳሉ ኸለኻ ኽትዝክሮ ዘሎካ መሰረታዊ ነጥብታት እንታይ እዩ፧
5 መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል ዚገልጽ ድርቕ ዝበለ ሕግታት የልቦን። ብሓፈሻኡ ኣቀራርባኻ ሓጺርን ቀሊልን ምግባሩ እቲ ዝበለጸ እዩ። እትመልኮን ጽቡቕ ውጽኢት ክትረክብ ዚሕግዘካን ኣቀራርባ ተጠቐም። ኣብቲ ሓለፍ ዝበለ ጥቕሚ እቲ መጽሔት ኣተኵር ከምኡውን ውዕዉዕ ኩን። ብዚግባእ ትዳሎ እንተ ደኣ ዄንካ: ነቶም “ንህይወት ዘለኣለም ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም” ሰባት መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ኣብ ምዕዳል ዝያዳ ኣድማዒ ኽትከውን ኢኻ።—ግብ. 13:48 NW