ተባዕ ግናኸ ሰላማዊ
1 ብዙሓት እንሰብከሎም ሰባት ምስ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ እምነታት ይኣምኑ እዮም። ብትብዓት ክንምስክር እኳ እንተሎና: ‘ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ክንነብርን’ ዘየድሊ ዅራ ዜልዕል ነገራት ከነውግድን እውን ንደሊ ኢና። (ሮሜ 12:18፣ ግብ. 4:29) መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከነብጽሕ ከሎና ተባዓት ግናኸ ሰላማውያን ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ዜሰማምዓኩም ነጥብታት ኣናዲ:- ሰላማዊ ሰብ ካብ ክትዕ ይርሕቕ እዩ። ሓደ ብዓል ቤት ኣትሪሩ ንዚኣምነሉ እምነታት ኣድላዪ ብዘይኰነ መገዲ ምፍራስ: ንመልእኽትና ኸም ዚቕበል ኣይገብሮን እዩ። ጌጋ ሓሳባት ምስ ዚዛረብ: እንሰማምዓሉ ነጥቢ ብሜላ ኽንጠቕሰሉ ንኽእል ኢና። ነቲ ዜሰማምዓና ነጥብታት ብምጕላሕ: ዝዀነ ይኹን ኣሉታዊ ስምዒታት ከነወግድን ልቡ ኽንትንክፍን ንኽእል ኢና።
3 ንጌጋ ኣመለኻኽታ ሓደ ብዓል ቤት ሸለል ኢልና ምስ እንሓልፎ: ንሓቂ ዕሽሽ ንብል ወይ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ነእትዋ ኣሎና ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ከም ክርስትያናት ኣገልገልቲ መጠን: መዝነትና ንዜጋጥመና ዘበለ ጌጋ ኣተሓሳስባ ምቅላዕ ዘይኰነስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ እዩ። (ማቴ. 24:14) ጌጋ ሓሳባት ምስ እንሰምዕ: ስምዒታውያን ኣብ ክንዲ እንኸውን ኣተሓሳስባ እቲ ሰብ ከነስተውዕለሉ እንኽእል ኣጋጣሚ ኸም ዝረኸብና ጌርና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና።—ምሳ. 16:23
4 ክብረቶም ሓልወሎም:- ጌጋ ትምህርትታት ከነቃልዕ ከለና ተባዓት ክንኰነሉ ዘሎና እዋን ኣሎ። ሰላማውያን ሰባት ከም ምዃንና መጠን ግን ብዛዕባ እቶም ጌጋ ትምህርትታት ዚኣምኑን ዚምህሩን ክንዛረብ ከሎና: ናይ ላግጽን ምንእኣስን ቃላት ካብ ምጥቃም ንቝጠብ ኢና። ናይ ልዕልና መንፈስ ምንጽብራቕ ንሰባት ከም ዚርሕቁ ኺገብሮም ከሎ: ትሕትናን ሕያውነትን ዝመልኦ ኣቀራርባ ምጥቃም ግን ንኣእምሮ እቶም ሓቂ ዜፍቅሩ ሰባት ይኸፍት እዩ። ንሰማዕትናን ንዚኣምንዎ ነገራትን ኣኽብሮት ምርኣይ ክብረቶም ይሕልወሎም። በዚ ኸምዚ ድማ ንመልእኽትና ኪቕበሉ ዝቐለለ ይዀነሎም።
5 ሃዋርያ ጳውሎስ: ንእምነታት እቶም ዚሰብከሎም ዝነበረ ሰባት ኣብ ግምት የእቱ: ነቲ ብስራት ኣልባቦም ብዚስሕብ መገዲ ኼካፍሎም ከኣ ይጽዕር ነበረ። (ግብ. 17:22-31) ብፍታው ተላዒሉ “ብዅሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኼድሕን: ንዅላቶም ኵሉ” ዀነ። (1 ቈረ. 9:22) ንሕናውን ነቲ ብስራት ብትብዓት ኣብ እንሰብከሉ እዋን ሰላማውያን ብምዃን ከምዚ ኽንገብር ንኽእል ኢና።