ክርስትያናት ብዛዕባ ግዝረት ዘለዎም ኣመለኻኽታ።
1 ሃዋርያ ጴጥሮስ: “ኣቱም ፍቁራተይ: ነዚ እናተጸቤኹምሲ: ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ” ብምባል ጸሓፈ። (2 ጴጥ. 3:14) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ምኽሪ እዚ ብምስዓብ ነቲ ምስ ግዝረት ወይ ምኽንሻብ እተተሓሓዘ ልምዲ እውን ዚርከቦ ዘይክርስትያናዊ ልምድታት ነጺጐምዎ እዮም።
2 መጽሓፍ ቅዱስ ግዝረት ወይ ምኽንሻብ ደቂ ተባዕትዮ ኣይክልክልን እዩ። ምኽንሻብ: ክፍሊ እቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ እዩ ነይሩ: ክሳዕ ሞት የሱስ እውን ሓደ ዘይተኸንሸበ ወዲ ተባዕታይ ከም ዘይንጹህ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። እንተዀነ ግን: እቲ ሕጊ ‘ናብ ክርስቶስ ዜብጽሕ ቀጻዒ’ ጥራይ እዩ ነይሩ። ሎሚ ምኽንሻብ ወዲ ተባዕታይ ኣምላኽ ብፍሉይ ዚደልዮ ነገር ከምኡውን ሓደ ክርስትያን ኬማልኦ ዘለዎ ብቕዓት ኣይኰነን።—ገላ. 3:24፣ 5:6
3 ስለዚ: ወለዲ ንደቆም ብምኽንያት ጥዕና ኬኸንሽብዎም እንተደኣ ደልዮም ናይ ገዛእ ርእሶም ውሳነ እዩ። ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ግን ነቶም ኣብ ሓደ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ ኣወዳት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንምኽንሻብ ፍሉይ መዓልቲ ይምደብ እዩ። ነቶም ዚኽንሸቡ ዘበሉ ኣወዳት ንምምጓስን ናብቲ ዝለዓለ ስርዓት እቲ ሕብረተሰብ ንምስግጋርን ሳዕስዒትን ደርፍን ዘለዎ ጽንብል ይግበር። እዚ ጽምብላት እዚ ሃይማኖታዊ መበቈል ስለ ዘለዎ ሓደ ክርስትያን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንኣምላኽ ዘየኽብር ንጥፈታት ኪካፈል ኣይደልን እዩ።
4 ብዛዕባ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮኸ እንታይ እዩ ዚበሃሎ፧ እዚ ልምዲ እዚ ብሓፈሻ ምቝራጽ ክፍሊ ጾታዊ ኣካላት ደቂ ኣንስትዮ ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ: ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ዝውቱር እዩ። ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ብእተፈላለየ መገድታት እዩ ዚፍጸም: እንተዀነ ግን በየናይ ኣገባብ ይፈጸም ብዘየገድስ ኣብተን ናእሽቱ ኣዋልድ ብርቱዕን ዘየድልን ቃንዛ እዩ ዜስዕብ። ሓንቲ ጋዜጣ: “ልሙድ ሳዕቤናት ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ኸም ብርቱዕ ቃንዛ: ስንባድ: መድመይቲ: መቝሰልቲ: ረኽሲ: ከምኡውን ሞት ዝኣመሰለ እዩ” ብምባል ጸብጻብ ትህብ። ክርስትያናት ወለዲ: ጓሎም ከምዚ ዝኣመሰለ ስቓይ ኬጋጥማ ኸም ዘይደልዩ ኣየጠራጥርን እዩ። ምስ ኣረማዊ ኣምልኾ ዚተኣሳሰር ብምዃኑ እውን ዕቱብ ኣቓልቦ ኺግበረሉ ይግባእ።
5 ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ ነቲ የሆዋ ምስ በዓል ቤታ ኽትሕጐሰሉ ኢሉ ዝፈጠሮ ጾታዊ ድሌታ ብቐጥታ ዚትንክፍ እዩ። ንጓል ኣንስተይቲ ምኽንሻብ ኣብቲ ንጽል ኰይና እትጸንሓሉ ግዜ ድንግልናኣ ኽትዕቅብ ይሕግዛ እዩ ተባሂሉ እዩ ዚእመነሉ። እንተዀነ ግን: ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ድንግልናኣ ኽትዕቅብ እትኽእል ክፍሊ ኣካላታ ብምጕዳል ዘይኰነስ ክርስትያናዊ ስርዓታት ብምዅስኳስ እዩ። ናይ 8 ሚያዝያ 1993 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኸምዚ ትብል:- “ካብ ጌጋ ዝዀነ ተግባራት ክትቝጠብ እትኽእል ኣካል ብምጕዳል ዘይኰነስ ብትምህርቲ እዩ። ንኣብነት: ደቅና ምስ ዓበዩ ሰረቕቲ ኸይኰኑ ኢልና ኣእዳዎም ንቘርጾምዶ ኢና፧ ወይውን ሕማቕ ነገራት ምእንቲ ኸይዛረቡ መልሓሶም ንቘርጾምዶ ኢና፧” ጾታዊ ኽፍሊ ኣካላት ሓንቲ ጓል ምቝራጽ ሓደገኛ እዩ: ናይ ደም ገበነኛ ኺገብረካ እውን ይኽእል እዩ።—1 ዜና 11:17-19፣ መዝ. 51:14
6 ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጨካን ልምዲ ዚሰማምዓሉ ሰብ: ነቲ ወሃብ “ጽቡቕ ውህበትን” ‘ናይ ህይወት ፈልፋልን’ ዝዀነ የሆዋ ዜሕስር እዩ። (ያእ. 1:17፣ መዝ. 36:9) ኣብ ርእሲ እዚውን እዚ ልምዲ እዚ ኣብ ሃገርና ዘይሕጋዊ ስለ ዝዀነ: ክርስትያን ወለዲ ነዚ ልምዲ ዜወግዱሉ ተወሳኺ ምኽንያት ኣለዎም። ከም ክርስትያናት መጠን ንሕጊ መንግስቲ ኺእዘዙ ኣለዎም። (ሮሜ 13:1) ጓሎም ክትክንሸብ ዜፍቅዱ ክርስትያን ወለዲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጉባኤ ፍሉይ ሓላፍነት ረኺቦም ኬገልግሉ ብቑዓት ኣይኰኑን። እዚ ስርዓት እዚ ኣብታ ብፍቓዳ ኸምዚ ዝኣምሰለ ልምዲ ኺፍጸመላ እተፍቅድ ንጽል ሓብቲ እውን ዚውዕል እዩ።
7 ኣብ ማእከል እዛ ንየሆዋ ዘይትፈልጥ ዓለም ኴንና ንየሆዋ ኸነገልግል ከለና: ምስ ግዝረት እተተሓሓዘ ሽግራት ከም ዜጋጥመና ዘይከሓድ እዩ። እንተዀነ ግን: ኣነባብራና ንየሆዋ ዜኽብር ብምግባር: ንገዛእ ርእስና ‘ህይወት ዘለኣለም እናተጸቤና ብፍቕሪ ኣምላኽ ንሓልዋ።’—ይሁ. 21፣ 2 ጴጥ. 3:13