ርሕሩሕ ብምዃን ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ
1 ‘እግዚኣብሄር ርሕሩሕ እዩ።’ (መዝ. 145:8) የሆዋ ናይ ኣድማስ ልዑላዊ ኽነሱ: ምስ ዘይፍጹማት ሰባት ኣብ ዘለዎ ርክብ ሕያዋይ: ሓላዪ: ከምኡውን ምቕሉል እዩ። (ዘፍ. 13:14፣ 19:18-21, 29) ንሕና እውን ነቲ ርሕሩሕ ኣምላኽና ብምምሳል: ነቲ ብስራት ክንሰብኽ ከሎና እንጥቀመሉ ኣቀራርባ ኸነመሓይሾ ንኽእል ኢና። (ቈሎ. 4:6) ከምዚ ምግባር ኣብ ኣዘራርባና ልኡማትን ንሰብ እነኽብርን ካብ ምዃን ንላዕሊ የጠቓልል።
2 ካብ ቤት ናብ ቤት:- ንሓደ ብዓል ቤት ኣብ ዘይጥዕሞ ግዜ ምስ እንመጾ ወይ ብስራሕ ትሑዝ ኰይኑ ምስ ዚጸንሓና እንታይ ክንገብር ይግብኣና፧ ዘረባና ብምሕጻር ወይ ካልእ ግዜ ኽንምለሶ ምዃንና ብምሕባር ንዅነታቱ ኣብ ግምት ከም ዘእተና ኸነርኢ ጽቡቕ እዩ። ሰባት ጽሑፋትና ኪቕበሉ ምስ ዘይደልዩ ኣይነገድዶምን ኢና። ንሰባት ዘሎና ሓልዮት ንንብረቶም ኣኽብሮት ከነርኢ: ማለት ንማዕጾኦም ብግቡእ ክንዓጽዎን ደቅና ኸምኡ ኺገብሩ ንኸነለማምዶምን ይድርኸና። ነቶም ኣብ ቤቶም ዘይጸንሑና ሰባት ጽሑፋት ክንገድፈሎም ከለና ዝዀነ ሓላፍ መገዲ ኣብ ዘይርእዮ ቦታ ኸም ዘቐመጥናዮ ኸነረጋግጽ ኣሎና። እወ: ርሕራሐ ኸምቲ ሰባት ኪገብሩልና እንደልዮም ንኽንገብረሎም ተለዓዕለና።—ሉቃ. 6:31
3 ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት:- ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት ክንሳተፍ ከሎና: መገዲ ኣጋር ብዘይ ምዕጻውን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ዕጉጕ ኢልና ደው ብዘይምባልን ምቕሉልነትና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ነቶም ዚህወኹ ዘይኰነስ ነቶም ንሒደት ደቒቕ ከነዘራርቦም እንኽእል ሰባት ንምልላይ ንናይ ካልኦት ኵነታት ብንቕሓት ክንከታተሎ ኣሎና። ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ ጫውጫው ዝበዝሖ ጐደናታት: እቶም ሰባት ምእንቲ ኺሰምዑና ዓው ኢልና ኽንዛረብ የድልየና ይኸውን። እንተዀነ ግን: እዚ ኣቓልቦ ኻልኦት ሰባት ከይሰሓብናን ብኣኽብሮትን ክንገብሮ ኣሎና።—ማቴ. 12:19
4 ናይ ተሌፎን ምስክርነት ዚከኣል ምስ ዚኸውን:- ንሰባት ዘሎና ሓልዮት: ብተሌፎን ክንምስክረሎም ከለና ኣብ ህዱእ ቦታ ዄንና ንኸነዘራርቦም የለዓዕለና። መንነትና ብኡንብኡ ኽንሕብሮምን ዝደወልናሉ ምኽንያት ክንገልጸሎምን ከለና ኣኽብሮት ኢና ነርኢ ዘለና። ናብ መዛረቢ እታ ተሌፎን ቀኒዕካን ብህዱእ ቃናን ምዝራብ ሃናጺ ዝዀነ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምይይጥ ክትገብር ይሕግዘካ። (1 ቈረ. 14:8, 9) ኣብ እተፈላለየ መዳይ ኣገልግሎት ሕያዎት: ሓለይቲ: ከምኡውን ምቕሉላት ብምዃን ነቲ ርሕሩሕ ኣምላኽና የሆዋ ንምሰሎ።