ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/06 ገጽ 7
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
km 1/06 ገጽ 7

ምልክታታት

◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ታሕሳስ:- እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ጥሪ:- ንቑሕ ኩን! ለካቲት:- ንየሆዋ ቕረቦ። መጋቢት:- ነታ “ንቑሕ ኩን ” ዘርእስታ ብሮሹር ኣበርክት። ሰባት ናይ ሓቂ ተገዳስነት እንተደኣ ኣርእዮም ከኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ኢልካ ምስ መጽሓፍ “ፍልጠት ” ኣላልዮም።

◼ ሚያዝያ ሓሙሽተ ቐዳመ⁠-​ሰናብቲ ስለ ዘለዋ: ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ንምግልጋል እትምሽእ ወርሒ እያ።

◼ ካብ መጋቢት ጀሚሩ ብናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ዚወሃብ ሓድሽ ህዝባዊ መደረ: “ሕጂ ዀነ ንዘለኣለም ሰላማዊ ህይወት ከተስተማቕሩ ትኽእሉ ኢኹም” ዚብል ኪኸውን እዩ።

◼ ጉባኤታት ነቲ ረቡዕ 12 ሚያዝያ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ዚግበር በዓል ዝኽሪ ንምብዓል ግቡእ ምድላዋት ኪገብራ ኣለወን። እቲ መደረ ኣቐዲሙ ኺጅመር ዚከኣል እኳ እንተዀነ: እቲ ናይ ዝኽሪ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ምዛር ግን ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ ኺጅመር የብሉን። ኣብ ከባቢኹም ጸሓይ እትዓርበሉ ሰዓታት ንምፍላጥ ንምንጭታት እቲ ኸባቢ ተወከሱ። ዚከኣል እንተ ዀይኑ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ናይ ገዛእ ርእሳ በዓል ዝኽሪ ኽትገብር ነተባብዕ። ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ጉባኤታት ሓንቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚጥቀማ ምስ ዚዀና: ምናልባት ሓዲአን ወይ ገሊአን ነታ ምሸት እቲኣ ኻልእ መኣከቢ ቦታ ኺደልያ ይኽእላ እየን። ኵላቶም ካብቲ ኣጋጣሚ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺጥቀሙ: ኣብ መንጎ ናይ ክልተ ጉባኤታት መደብ እንተ ወሓደ ናይ 40 ደቒቕ ፍልልይ ክትገብሩ ጽቡቕ እዩ። ናይ ትራፊክ ኵነታት: ናይ ማካይን ደው መበሊ: ከምኡውን ነቶም ሓደስቲ ሰባት ከነምጽኦምን ክንመልሶምን ከለና እተን ማካይን ኣበይ ደው ኢለን ከም ዜውርዳኦም ኪሕሰበሉ ኣለዎ። ኣካል ሽማግለታት ኣብቲ ኸባቢ እንታይ ምድላው እንተ ገበሩ ዝበለጸ ኸም ዚኸውን ኪውስኑ ይግባእ።

◼ ብጕዳይኩም ናብ ካልእ ዓዲ ምስ እትገሹ እሞ ናይ ጉባኤ ኣኼባ: መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ወይ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ኽትካፈሉ ምስ እትደልዩ ኣብቲ እትገሽዎ ዘለኹም ዓዲ ኣኼባ ዚግበረሉ መዓልቲ: ሰዓት: ከምኡውን ቦታ ንምፍላጥ ነቲ ኣብታ ዓዲ ዚካየድ ዕዮ ዚዕዘብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ክትሓቱ ኣለኩም። ናይ ኵለን ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ኣድራሻታት ኣብ መወዳእታ ገጽ ዓመት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) እዚ ዓመት እዚ ኺርከብ ይከኣል እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ