ምልክታታት
ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ጥቅምቲ:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ሕዳር:- ፍልጠት፣ ታሕሳስ:- እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ፣ ጥሪ:- ንቑሕ ኩን!
◼ ጥቅምቲ ሓሙሽተ ቐዳመ-ሰናብቲ ስለ ዘለዋ: ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን እትምሽእ ወርሒ እያ።
◼ እዚ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ሕታም ዘሎ እታው: “ናይ 2006 ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ” እዩ። ኣብ 2006 ብምልኡ ኸም መወከሲ ዀይኑ ምእንቲ ኼገልግል ከኣ ብግቡእ ኪተሓዝ ኣለዎ።
◼ ገጽ 6ን እዛ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ንናይ 2006 ናይ ኣገልግሎት ዓመት መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ዚምልከት ክፍሊ ስለ ዘለዋ ኽትዕቀብ ኣለዋ።
◼ ናይ ዕድመ ወረቐት ናይ ምሕታትን ናይ ምሕታምን ዕዮ ንምቅላል ተባሂሉ ሓድሽ ዓይነት ናይ ዕድመ ወረቐት ተዳልዩ ኣሎ። ኣብቲ ቐዳማይ ገጽ: ናይ ነፍሲ ወከፍ ናይ ጉባኤ ኣኼባ ሓጺር መግለጺ ይህብ። ኣብ ድሕሪት ድማ ብናጻ ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺምራሕ ዚሕብር ዕድመን ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹር ንምሕታት ዚኸውን ኩፖንን ሒዙ ኣሎ። ኣድራሻ እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኰነ እቲ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ዚካየደሉ መዓልትን ሰዓትን ስለ ዘይሕብር: ነዚ ተወሳኺ ሓበሬታ እዚ ንሓደ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ናይ ዕድመ ወረቐት ክትዕድልዎ ኸለኹም ኣብኡ ኽትጽሕፍዎ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብቲ ናይ ዕድመ ወረቐት ንጉባኤ ዚምልከት ፍሉይ ሓበሬታታት ንኺጸሓፈሉ ወይ ንኺልጠፈሉ እተዳለወ እኹል ቦታ ኣሎ። ድሕሪ ደጊም ናይ ጉባኤ ጸሓፊ በቲ ብዛዕባ ናይ ጉባኤ ኣኼባ ዚገልጽ ሓበሬታ ኸምኡውን ናይ ዕድመ ወረቐት መሕተቲ ቕጥዒ (S-5) ገይሩ ናይ ዕድመ ወረቐት ኪሓትት ከም ዘየድልዮ ኣስተብህሉ። እቲ ናይ ጽሑፋት ኣተሓባባሪ ብናይ ጽሑፋት መሕተቲ ፎርም (S-14) ገይሩ ኺሓትት ሓላፍነት ኣለዎ። ናይ ዕድመ ወረቐት መለለዪ ምልክት sf እዩ።
◼ ናይ እንግሊዝኛ መጽሔት ንቕሑ! ካብ ጥሪ 2006 ኣትሒዙ ወርሓዊ መጽሔት ስለ ዚኸውን ትሕዝቶኡ እውን ምስቲ ናይ ኣምሓርኛ ንቕሑ! ሓደ ዓይነት ስለ ዚኸውን ንዅለን እተን ቅድሚ ሕጂ ናይ እንግሊዝኛ መጽሔት ንቕሑ! ዚእዝዛ ዝነበራ ጉባኤታት ይኹና ጕጅለታት ነቲ ትእዛዝ ኪንክያኦ ዜድልየን እንተ ዀይኑ ኺሓስባሉ ነተባብዐን።