ናይ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 31 ጥቅምቲ 2005 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብቓል ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣብቲ ኻብ 5 መስከረም ክሳዕ 31 ጥቅምቲ 2005 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ክፍሊ ቝጽሪ 1
1. ንየሆዋ ‘ብዕቱብ ምድላይ’ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ከምዚ ንገብር ምህላውና ኸነርኢ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧ (እብ. 11:6) [w03 15/8 ገጽ 25 ሕጡብ ጽሑፍ 2፣ ገጽ 26 ሕጡብ ጽሑፍ 1-2፣ ገጽ 27 ሕጡብ ጽሑፍ 2]
2. ‘ምሳሌ እቲ ጥዑይ ቃል’ እንታይ እዩ፧ ክርስትያን ሽማግለታትከ ነዚ ኺሕልውዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (2 ጢሞ. 1:13, 14) [w03 1/1 ገጽ 29 ሕጡብ ጽሑፍ 3-ገጽ 30 ሕጡብ ጽሑፍ 1]
3. እቲ “ቐኖና መጽሓፍ ቅዱስ” ዚብል ስያመ እንታይ ማለት እዩ፧ ንቐኖናውነት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጽሓፍቲ ዚውስን ረቛሒታትከ እንታይ እዩ፧ [bsi05 ገጽ 4 ቍ. 5-6]
4. እቲ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ኻልኣይ ዘመን ድ.ክ. እተጻሕፈ ቝርጽራጽ ሙራቶሪ: ቀኖናውነት ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኣብ ምርግጋጽ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ [bsi05 ገጽ 8 ቍ. 19]
5. መጽሓፍ ቅዱስ ንባዕሉ ናብ ካልእ ቋንቋታት ንኺትርጐም ከመይ ዝበለ ስልጣን እዩ ዚህብ፧ ጥንታዊ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስከ እንታይ እዩ ዜረጋግጽ፧ [bsi05 ገጽ 14 ቍ. 9]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
6. ካልኣይ ነገስት 13:21 ቅዱስ እዩ ንዚበሃል ቅርስታት ኣኽብሮት ክንህቦ ኸም ዘሎና ተርኢ ድያ፧
7. ህዝቅያስ ምስ ግብጺ ኺዳን ተኣታትዩ ነይሩ ድዩ፧ (2 ነገ. 18:19-21, 25)
8. ሽሕኳ እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሰናክሪብ ዘመዝገቦ ዓብዪ ስዕረት: ኣብቲ መዝገብ ፍጻመታት ኣሶራውያን እንተ ዘይተጠቕሰ: ኣብቲ መዝገብ እቲ እንታይ ዜገድስ ነገር ረኺብካ፧ (2 ነገ. 19:35, 36)
9. ኣቦ ሰኣልቲኤል መን እዩ ነይሩ፧ (1 ዜና 3:16-18)
10. ብግዜ ንጉስ ሳኦል: ደቂ ሮቤልን ጋዳውያንን ፈረቓ ነገድ ምናሴን: ሎሚ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኪስዕብዎ ዘለዎም ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት እዮም ዝገደፉ፧ (1 ዜና 5:18-22)