ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/05 ገጽ 7
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
km 8/05 ገጽ 7

ምልክታታት

◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ነሓሰ:- ብሮሹራት። መስከረም:- ንቑሕ ኩን!። ጥቅምቲ:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ሕዳር:-

◼ ወርሒ ጥቅምቲ ሓሙሽተ ቐዳመ-ሰንበት ስለ ዘለዋ ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ንምግልጋል ምሽእቲ ወርሒ እያ።

◼ እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሓው 1 መስከረም ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ኪምርምሮ ኣለዎ። ንመጸገኒ ወይ ንመስርሒ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተባሂሉ እተፈልየ ናይ ባንክ ሕሳብ እንተሎ እዚ ሕሳብ እዚ እውን ኪምርመር ኣለዎ። እቲ ሕሳብ ምስ ተመርመረ: ኣብ ቀጻሊ ግዜ ዚህሉ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ነታ ጉባኤ ምልክታ ኺንገራ ኣለዎ።

◼ ናይ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣድራሻ: ብሕታዊ መልእኽትታት ንምልእኣኽ ክትጥቀመሉ ኸም ዘይግባእ ከነዘኻኽረኩም ንፈቱ። እዚ ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ: ኣብ ቤቶም ዘይጸንሑና ወይውን ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቦታታት ዝነብሩ ሰባት ንምምስካር ኢልካ ደብዳበታትን ጽሑፋትን ምልኣኽ ዜጠቓልል እዩ። ሓደ ኣስፋሒ ኣገልግሎቱ ንየሆዋ ብሕታዊ ኣገልግሎት ምሃብ እውን ስለ ዜጠቓልል እንተ ደልዩ ናይ ብሕቱ ኣድራሻ ኺጥቀም ይኽእል እዩ። (ማቴ. 28:19, 20፣ ሮሜ 10:14, 15) ናቱ ኣድራሻ ኺጥቀም ዘይጥበባዊ ዀይኑ እንተደኣ ተሰሚዕዎ ግን ስሙ ብምጽሓፍ ናይ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣድራሻ ኺጥቀም ይኽእል እዩ።—ናይ ግንቦት 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ሕቶ ሳጹን [እንግሊዝኛ] ርአ።

◼ ዓመታዊ ፍቕዲ እቲ ኣብ መኽዘን ዘሎ ጽሑፋትን መጽሔታትን ኣብ 31 ነሓሰ 2005 ወይ ብእተኻእለ መጠን ካብዚ ዕለት እዚ ኸይረሓቐ ኺግበር ኣለዎ። እዚ ፍቕዲ እዚ ምስቲ እቲ ኣተሓባባሪ ጽሑፋት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዚገብሮ ምፍቃድ ዚመሳሰል እዩ: እቲ ድምር ድማ ኣብቲ ናይ ጽሑፋት ዝርዝር መፍቀዲ (S-18) ቅጥዒ ኺምዝገብ ኣለዎ። ጠቕላላ ድምር እቲ ኣብ መኽዘን ዘሎ መጽሔታት ካብ ናይ መጽሔት ኣገልገልቲ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ኺርከብ ይከኣል እዩ። እቲ ናይታ ኣተሓባባሪት ጉባኤ ጸሓፊ ነቲ ፍቕዲ ኺቈጻጸሮ ይግባእ። ንሱን እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ እታ ኣተሓባባሪት ጉባኤን ነቲ ቕጥዒ ይፈርሙሉ። ነፍሲ ወከፍ ኣተሓባባሪት ጉባኤ ሰለስተ ቕዳሕ ናይ ጽሑፋት ዝርዝር መፍቀዲ (S-18) ቅጥዒ ኽትቅበል እያ። በጃኹም ነቲ ቐንዲ ቕዳሕ ክሳዕ 6 መስከረም ከይደንጐኹም ናብ ማሕበር ልኣኽዎ። ናይ ካርቦን ቅዳሕ ኣብ መዛግብትኹም ሓዙ። እቲ ሳልሳይ ቅዳሕ ከም መስርሒ ዀይኑ ኼገልግል ይኽእል እዩ።

◼ ጉባኤታት በቲ ናይ እትቕጽል ወርሒ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ቕጥዐን ገይረን ናይ 2006 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2006: ከምኡውን ናይ 2006 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ሕጂ ጀሚረን ኪሓታ ኣለወን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ