ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዓብዪ መሰል እዩ
1 መዓልታዊ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ተቐማጦ ምድሪ ኻብቲ ብህይወት ንኽንቅጽል ዜድልየና የሆዋ ብልግሲ ዘዳለዎ ነገራት ይጥቀሙ ኣለዉ። (ማቴ. 5:45) ይኹን እምበር: እቶም ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ንፈጣሪኦም ሞሳኦም ዚገልጹ ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። (ማቴ. 24:14) ነዚ ዓብዪ መሰል እዚ ኽሳዕ ክንደይ ኢኻ ኣኽቢርካ እትርእዮ፧
2 ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንየሆዋ ዜኽብር እዩ: ነቶም በዚ ህውከት ዝመልኦ እዋን ዚጭነቑ ሰባት ድማ ብሩህ ተስፋን ሰላምን ዜምጽእ እዩ። (እብ. 13:15) እቶም ነዚ መልእኽቲ እዚ ኣወንታዊ ምላሽ ዚህቡሉ ሰባት: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዮም ዚረኽቡ። (ዮሃ. 17:3) ኣየናይ ናይ ዓለም ስራሕ ወይ ሞያ እዩ እሞ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዓስቢ ዘለዎ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣገልግሎቱ ዝነበሮ ኣኽብሮት ኣብቲ ኣገልግሎቱ ዚፍጽመሉ ዝነበረ ኣገባብ ተራእዩ እዩ። ንኣገልግሎቱ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ።—ግብ. 20:20, 21, 24፣ 2 ቈረ. 4:1, 7
3 ነዚ ዓብዪ መሰል እዚ ኣኽቢርካ ምርኣይ:- ነዚ ናይ ምስባኽ መሰል እዚ ዘሎና ሞሳ ኸነርእየሉ እንኽእል ሓደ መገዲ: ኣገልግሎትና ብምምሕያሽ እዩ። ንልቢ ሰማዕትና ዚትንክፍ ኣቀራርባ ንምድላው ግዜ ንምድብ ዲና፧ ኣብ ኣጠቓቕማ ጥቕስታትን ምስ ሰባት ኣብ እንገብሮ ምይይጥን ክእለትና ንምምሕያሽ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ እተመደበልና ዞባ ምሉእ ብምሉእ ንሽፍኖ ዲና፧ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጅምርን ክንመርሕን ንኽእል ዲና፧ ልክዕ ከምቶም ቀደም ዝነበሩን ሕጂ ዘለዉን እሙናት ክርስትያናት ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ቕኑዕ ኣረኣእያ እዩ ዘሎና: ነዚ መሰል እዚ ድማ ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ።—ማቴ. 25:14-23
4 ምስቲ እርጋን: ጥዕና ምስኣን ወይውን ካልእ ጽንኵር ኵነታት ዜምጽኦ ጸገማት ክንቃለስ ከለና: የሆዋ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ንምስታፍ እንገብሮ ቕንኢ ዝመልኦ ጻዕሪ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ምፍላጥና ዜጸናንዕ እዩ። ቃል ኣምላኽ: እቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ኢልና እንገብሮ ጻዕሪ ዋላ እውን ኣብ ቅድሚ ሰባት ዘይጠቅም ዚመስል እንተዀነ የሆዋ ግን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ የረጋግጸልና እዩ።—ሉቃ. 21:1-4
5 ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ምንጪ ዓብዪ ዕግበት እዩ። ሓንቲ ጓል 92 ዓመት ሓብቲ: “ነቲ ህይወተይ ወፍየ ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ዘሕለፍክዎ ልዕሊ 80 ዓመታት ምልስ ኢለ ኽርእዮ ኸለኹስ ኣየ ኸመይ ዝበለ መሰል ኰን እየ ረኺበ: ዋላ ሓደ ዘጣዕሰኒ ነገር እውን የብለይን! ንህይወተይ ከም ብሓድሽ እንተ ዝጅምሮ: ከምቲ ዘሕለፍክዎ ናብራ ምደገምኩ ነይረ፣ ከመይሲ ‘ለውሃት [ኣምላኽ] ካብ ህይወት ይበልጽ’” በለት። (መዝሙር 63:3) ንሕናውን ነዚ ኣምላኽ ዝሃበና ዓብዪ መሰል ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኣኽቢርና ንርኣዮ።