ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ሓምለን ነሓሰን:- ብሮሹራት። መስከረም:- ንቑሕ ኩን!። ጥቅምቲ:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ!
◼ ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ኻብ ወርሒ መስከረም ኣትሒዞም “ብመጽሓፍ ቅዱስ እንምራሕ ስለምንታይ ኢና፧” ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ ኪህቡ እዮም።
◼ ብዛዕባ እቶም ካብ መገሻ እተመልሱ ኣስፋሕቲ: ንናይ ጉባኤ ጸሓፍቲ ነዘኻኽሮም። ናይ ገለ ወርሓት ጸብጻብ ኣገልግሎቶም ከም ዘይተቐበልኩምዎን ከም ዘይመዝገብኩምዎን እንተደኣ ተገንዚብኩም: ኪህብኹም ሕተትዎም። ዘይተመዝገበ ጸብጻብ ኣገልግሎቶም ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ እንተደኣ ዀይኑ: ናይ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ጸብጻብ ተፈልዩ ኺምዝገብ ኣለዎ። ናይ ሓያሎ ኣዋርሕ ጸብጻብ ኣገልግሎት ጠርኒፍካ ኸም ሓደ ጸብጻብ ጌርካ ምቕራቡ ልክዕ ኣይኰነን። እዚ ዘይተመዝገበ ጸብጻባት እዚ ምስ ቍጽሪ እቶም ኣስፋሕቲ ተደሚሩ ኣብቲ ቐጺሉ ዚለኣኽ ናይ ጉባኤ ጸብጻብ (S-1) ኪለኣኽ ኣለዎ። ዝዀነ ይኹን ዘይተመዝገበ ጸብጻብ እንተደኣ ኣልዩ: ዓመት ኣገልግሎት ቅድሚ ምዝዛሙ ኺለኣኽ ኣለዎ።
◼ ስርዓታዊ ፓይነር ንምዃን ዚቐርብ መመልከቲ ፎርም እንተ ወሓደ 30 መዓልቲ ቕድሚ እቲ ኺጅምረሉ ዚሕተት ዘሎ ዕለት ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኪለኣኽ ኣለዎ። እቲ ናይ ጉባኤ ጸሓፊ እቲ ፎርም ብግቡእ ከም እተመልአ ንምርግጋጽ ኪርእዮ ኣለዎ። እቶም ኣመልከትቲ እተጠመቕሉ ዕለት ብልክዕ ኪዝክርዎ እንተደኣ ዘይክኢሎም: ብግምት መዓስ ምዃኑ ኺመልኡ: ነታ ዕለት ድማ ኪምዝግብዋ ኣለዎም። እቲ ጸሓፊ ነታ ዕለት ኣብ ናይ ጉባኤ ኣስፋሒ መዝገብ (S-21) ኬስፍራ ኣለዎ።
◼ ናይ ጉባኤ ጸሓፍቲ ንነፍሲ ወከፍ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ስርዓታዊ ፓይነር ዚኸውን ናይ ፓይነር መመዘዚ ደብዳበ (S-202) ኪሕዙ ኣለዎም። እንተ ዘይሃልይዎም: በጃኹም ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ጽሓፉ።
◼ ኣብ መኽዘን ዝመጸ ሓድሽ:- ዓረብኛ:- ንየሆዋ ቕረቦ፣ ኦርጋናይዝድ ቱ ዱ ጂሆቫስ ዊል፣ ቻይንኛ:- ዊል ዚስ ዎርልድ ሰርቫይቭ፧ (T-19)፣ እንግሊዝኛ:- ዓመት መጽሓፍ፣ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ጥሙር ጥራዛት 2004፣ ዎችታወር ላይብረሪ 2004 ብሲዲ፣ ፈረንሳይኛ:- ናይ 2005 ዓመት መጽሓፍ፣ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ጥሙር ጥራዛት 2004።
◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ዝመጸ:- ናይ ባጅ መትሓዚ፣ ናይ ዞባ ካርድ መትሓዚ፣ ኣምሓርኛ:- ትንቢት ዳንኤል፣ ንየሆዋ ቕረቦ፣ ኣይዛያስ ፕሮፌሲ፣ ኦርጋናይዝድ፣ ዓረብኛ:- ትርጕም ሓዳስ ዓለም፣ እንግሊዝኛ:- ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት፣ ኢዝ ዘር ኤ ክርኤተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ ንየሆዋ ቕረቦ!፣ ንኣምላኽ ኣምልኽ፣ መዝሙር ውዳሰ ዘምሩ (ንእሽቶ)፣ ንቑሕ ኩን!፣ ብቕዓት፣ ጉድ ኒውስ ፎር ኦል ኔሽንስ፣ ንዓለም ዝገዝኣ ዘሎስ መን እዩ፧ (ትራክት-22)፣ ቪድዮ ካሴት:- ሪል ፍሬንድስ፣ ፈረንሳይኛ:- መንእሰያት ዝሓትዎ፣ ንቑሕ ኩን!፣ ጣልያንኛ:- መንእሰያት ዝሓትዎ፣ ትግርኛ:- ንቑሕ ኩን!