መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሓም.
“ኵልና ብዙሓት ዕዉታት ዚመስሉ ግን ከኣ ኣብ ህይወቶም ገለ ነገር ከም ዝጐደሎም ኰይኑ ዚስምዖም ሰባት ንፈልጥ ኢና። እንታይ ጐዲልዎም ኣሎ ትብል፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ማቴዎስ 5:3 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ውሽጣዊ ሰላም ክንረኽበሉ እንኽእል ቀንዲ ረቛሒ ብመንፈስ ዜድልየና ነገራት ምስ እነማልእ ምዃኑ ትገልጽ እያ።”
Awake! July 8
“ኣብዚ ሎሚ ኣብ ዓለም ዘሎ ዝለዓለ ናይ ስራሕ ውድድር: ሽቕለት ኣልቦነት እቲ ቐንዲ ሽግር እዩ ዀይኑ ዘሎ። እዛ መጽሔት እዚኣ ስራሕ ንምርካብ ዚሕግዝ ሓሙሽተ ነጥብታት ትገልጽ። [ነቲ ኣብ ትሕቲ እታ “ስራሕ ንምርካብ ዚሕግዝ ሓሙሽተ ነጥብታት” እትብል ዓንቀጽ ዘሎ ብደሚቕ እተጻሕፈ ንኡስ ኣርእስትታት ኣጕልሕ።] ስራሕካ ብኸመይ ከም እትዕቅብ ዚገልጽ ግብራዊ ሓሳባት እውን ትህብ እያ።” ነታ ኣብ ገጽ 10 ተጠቒሳ ዘላ ምሳሌ 22:29 ኣንብብ።
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሓም.
“ኣብዚ ዝሓለፈ ኣሽሓት ዓመታት: ሰባት ብዙሕ እተፈላለየ እምነታት ኣማዕቢሎም እዮም። ኣየናይ ሓቂ ኣየናይ ከኣ ሓሶት ምዃኑ ኽንፈልጥ ንኽእልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ንኣምላኽ ባህ ዜብል ናይ ሓቂ ትምህርትታት ኣበይ ክትረክብ ከም እትኽእል ትገልጽ እያ።” 2 ጢሞቴዎስ 3:16 ኣንብብ።
Awake! July 22
“ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ዚስዕብ ስቅያት ምርኣይ ከብድኻ ዚበልዕ እዩ። [ኣብቲ ኸባቢ ዘጋጠመ ሓደጋ ጥቐስ።] ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋታት እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ነዛ ሕቶ እዚኣ ትገልጽ እያ። ነቶም ብኸምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ዜፍቅርዎም ሰባት ዝሰኣኑ እውን ዜጸናንዕ ሓሳባት ትህብ እያ።” ዮሃንስ 5:28, 29 ኣንብብ።