መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሚያ.
“ስነ-ፍልጠትን መጽሓፍ ቅዱስን ንሓድሕዱ ይጋጮ እዩ ኺበሃል ሰሚዕካዶ ትፍልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ስነ-ፍልጠትን ሃይማኖትን ዘሎ ግጭት ዚገልጽ ታሪኽ ትድህስስ። ይኹን እምበር: ናይ ሓቂ ስነ-ፍልጠት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሰማማዕ ዜርኢ መርትዖታት እውን ተቕርብ።” ገጽ 6-7 ኣርኢ። ድሕሪኡ መክብብ 1:7 ኣንብብ።
ግምቢ ዘብዐኛ Apr. 8
“ወለዲ ንደቆም ነቲ ኣብ ናይ ኰተቴ ዕድመ ዜጋጥሞም ሽግራት ንኺዋጽእሉ ኺሕግዝዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም ትብል፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ኢሳይያስ 48:17, 18 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ወለዲ ምስ ደቆም ጽቡቕ ርክብ ንኺምስርቱን ግቡእ ደረት ንኺገብርሎምን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓል ብኸመይ ኪጠቕሞም ከም ዚኽእል ትገልጽ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሚያ.
“ኣብዚ ግዜና ማእለያ ዘይብሉ ሓበሬታ ኸም ዘሎስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ይኹን እምበር: እዚ ዅሉ ኻብቲ ኣብዛ ሕጂ ዜንብበልካ ጥቕሲ ተገሊጹ ዚርከብ ሓሳባት ኣይበልጽን እዩ። [ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ‘ናይ ዘለኣለም ህይወት’ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑን ነቲ ናብኡ ኺመርሓና ዚኽእል ፍልጠት ብኸመይ ክንረኽቦ ኸም እንኽእልን ትገልጽ እያ።”
ግምቢ ዘብዐኛ Apr. 22
“የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ሰብ እኳ እንተዀነ: ብዙሓት ሰባት ግን ብሓቂ መን ምዃኑ ኣይፈልጡን እዮም። ሃዋርያት የሱስ እውን ከይተረፈ ደንጽይዎም ከም ዝነበረስ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ማርቆስ 4:41 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ሓቂ መንነት የሱስ እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ እያ።”