ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ
ኣብ ድርኵዂት እቲ ዚመጽእ ዘሎ ሓድሽ ኣገባብ ስለ ዘሎና ንየሆዋ ምጽባይና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። (ጸፎ. 3:8) ነብዪ ዳንኤል “ኣምላኽ እዩ ምስጢራት ዚገልጽ: ንሱ ኸኣ . . . በቲ ዳሕራይ ዘመናትሲ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍለጦ” በለ። (ዳን. 2:28) ኣብቲ ብትንቢት እተነግረሉ ናይ መወዳእታ ግዜ ምንባርን ነቲ የሆዋ ዘፍልጦ መለኮታዊ ምስጢር ምርዳእንሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ መሰል ኰን እዩ!
የሆዋ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ኣብዘን ጽንኩራት “ዳሕሮት መዓልታት” ካብ ምሉእ ዓለም “ብዙሓት ሰብ” ከም ዚእክብ ኣቐዲሙ ኣፍሊጡ ነይሩ። (ማቴ. 24:45፣ 2 ጢሞ. 3:1፣ ራእ. 7:9) ኣብ ኢሳይያስ 2:2, 3 እዚ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ እዚ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት” ከም ዚኸውን ትገልጽ። ሽሕኳ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ህውከትን ዓመጽን ይብዛሕ እምበር: እዚ ምእካብ እዚ ዓመት ዓመት ይቕጽል እዩ ዘሎ።
ኣብ 2004 ነተን “ንቕሑ . . . እተዳሎኹም ኩኑ” ዚብላ የሱስ እተዛረበን ቃላት ተኣዚዝና ምምልላስና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝያዳ ተገንዚብና ኢና። (ማቴ. 24:42, 44) እወ: እዚ ኣብ ዓለም ዚፍጸም ዘሎ ዅነታት ነቶም “ትእምርቲ ዘመናት” ፈልዮም: ስጕምቲ ዚወስዱ ክርስትያናት ዓብዪ ትርጕም ኣለዎ። (ማቴ. 16:1-3) ዝዀነ ይኹን መስጐጕቲ የጋጥሞም ብዘየገድስ: የሆዋ ቓሉ ንምፍጻም ምስቶም ብቲኦክራሲያዊ ኣገባብ እተመሓደሩ ህዝቡ ምዃኑ ኪቕጽል እዩ።
ዋላኳ ገለ ሰባት ነቲ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዕጋት ወይ ድማ ደው ንምባል እንተ ጸዓሩ: ኣሕዋትና ግን ነታ ሓቂ ኻብ ምስባኽ ኰነ ብሓባር ካብ ምእካብ ኣየብኰሩን። (ግብ. 5:19, 20፣ እብ. 10:24, 25) ኣብ ሰነ 2004 ኣብ ሩስያ: እቲ ይግባይ ዚሰምዕ ቤት ፍርዲ ነቲ እቲ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪእገድን ኣብታ ኸተማ ዚርከብ ሕጋዊ ትካሎም ኪዕጾን ዝሃቦ ብይን ደገፈ። ይኹን እምበር: ኣሕዋት በዚ ኣይተሓናዀሉን። ኣምላኽ ካብኣቶም ዚደልዮ እንታይ ከም ዝዀነ ስለ ዚፈልጡ: ካብ ንሰብ ንኣምላኽ እዮም ዚእዘዙ። (ግብ. 5:29) ከምዚ ዝኣመሰለ ሕጋዊ ስጕምቲ ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን የሆዋ ንኣገልገልቱ ኸም ዚመርሖም ርግጸኛታት ኢና።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ሪፖብሊክ ጆርጅያ ዚርከቡ ኣሕዋት ንብረቶም ጠፊኡ: ኣደዳ ናዕቢ ዀይኖም: ጽሑፋቶም እውን ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ተቓጺሉ እዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ንዕኦም ንምውጋእ እተሰርሐ ኣጽዋር ምንም ኣይጠቐመን። (ኢሳ. 54:17) ኣብ ናይ 2004 ናይ ኣገልግሎት ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ጆርጅያ እንደገና ሕጋዊ ተፈላጥነት ረኺቦም እዮም። ዓበይቲ ኣኼባታት ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ተኻይዱ: ጽሑፋት እውን ከም ልቢ ኣትዩ። ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕትን ተኣከብቲ በዓል ዝኽርን ከኣ ጸብጻብ ተገይሩ እዩ።
ኣብ ሩዋንዳ: ቱርክመኒሰታን: ኣርመንያ: ኤርትራ: ከምኡውን ሪፖብሊክ ኮሪያ ዚርከቡ ኣሕዋትና ብሰንኪ እምነቶም ተኣሲሮም እዮም። እቲ ዚግፍዑሉ ዘለዉ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ምፍላጦም ምድሓን የሆዋ እናተጸበዩ ንኺጸንዑ ይሕግዞም እዩ።—1 ጴጥ. 1:6-7፣ 2 ጴጥ. 2:9
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እተገብረ ዜደንቕ ነገራትን ናይ 2004 ዓለምለኻዊ ጸብጻብን ምስ እትርእዩ: ብለውሃት የሆዋ ኽትሕጐሱ ኢኹም። (መዝ. 31:19፣ 65:11) እታ ዓመት መጽሓፍ በቲ ንኣምላኽ ዜሐጕሶ መገዲ ምምልላስኩም ንኽትቅጽሉ ኸም እተተባብዓኩም ተስፋ ንገብር።—1 ተሰ. 4:1
እቲ ሓቂ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ምእንቲ ኺበጽሕ ብዙሕ ጻዕርታት እዩ ዚግበር ዘሎ። ንኣብነት: ቪድዮታትን ዲቪዲታትን ካልእ መሳርሕታትን ብናይ ምልክት ቋንቋ: ጽሑፋት ከኣ ብብረይል ተዳልዩ እዩ። እዚ ንጽሙማንን ንዕውራትን ብመንፈሳዊ መዳይ ንምሕጋዝ እተገብረ ምድላዋት እዩ። ብዙሓት ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንቛንቋታት እቶም ኣብ ናይ ጉባኤኦም ዞባ ዚነብሩ ስደተኛታት ተማሂሮም እዮም።
ብተወሳኺውን: ኣብ ምሕድግ ዝበለ ዞባታት በማእታት ዚቝጸራ ጕጅለታት ቈይመን እየን። ሓደ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ካብ 7,000 ንላዕሊ ብዝዀኑ ኣስፋሕቲ ዝቘማ ኻብ 300 ዚዛይዳ ጕጅለታት ኣለዋኦ። እዚ ሓደስቲ ጉባኤታት ኪቘማ ኸም ዚኽእላ የርኢ። ካብቶም ካብ 16,760,607 ንላዕሊ ዝዀኑ ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ: እቶም ልዕሊ 10 ሚልዮን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይኰኑን። እዚ ድማ ገና ብዙሕ ዚዕጸድ ፍረ ኸም ዘሎ እዩ ዚሕብር።
ስለቲ በረኸቱን መዓልታዊ ዜርእየና ፍቕራዊ ሓልዮቱን ንየሆዋ ነመስግኖ። (ምሳ. 10:22፣ ሚል. 3:10፣ 1 ጴጥ. 5:7) ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ብሓባር ክንጓዓዝ ከለና: ኣብ የሆዋ ኢና እንእመን። እምበኣር እቲ ዜጋጥመና ጸገም ብዘየገድስ: ነዛ ‘ረዲኤተይ ካብ የሆዋ እዩ ዚመጸኒ’ እትብል ናይ 2005 ዓመታዊት ጥቕሲ ኣብ ልብና ነሕድራ። (መዝ. 121:2) ከም እነፍቅረኩምን ምእንታኹም ከም እንጽልን ኣይትጠራጠሩ።
ኣሕዋትኩም
ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር