ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ግንቦት:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ሰነ:- መጽሓፍ ፍልጠት። ሓምለን ነሓሰን:- ብሮሹራት።
◼ እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሓው 1 ሰነ ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ኪምርምሮ ኣለዎ። ንመጸገኒ ወይ ንመስርሒ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተባሂሉ እተፈልየ ናይ ባንክ ሕሳብ እንተሎ እዚ ሕሳብ እዚ እውን ኪምርመር ኣለዎ። እቲ ሕሳብ ምስ ተመርመረ: ኣብ ቀጻሊ ግዜ ዚህሉ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ነታ ጉባኤ ምልክታ ኺንገራ ኣለዎ።
◼ ካብ ሰነ ጀሚሩ: ንናይ 2005 ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዚኸውን ባጅ ምስ ጽሑፋት ኪለኣኽ እዩ። ኣብ ትሕቲ ጉባኤኹም ናይ ወጻኢ ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት ዝሓቘፈት ጕጅለ እንተ ዘየልያ ባጅ ምእዛዝ ኣድላዪ ኣይኰነን። ናይ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤታት ብዝሒ ኣብ ግምት ብምእታው ባጅ በብ25 ጥማር ኪለኣኽ እዩ። ጉባኤታት ተወሳኺ ባጅ እንተደኣ ደልየን: በቲ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ቕጥዒ (S-14) ገይረን ኪሓታ ኣለወን። ኣብታ ጉባኤ ናይ ባጅ መትሓዚ ፕላስቲክ ዚደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ምስ ዚህሉ ኽትእዝዙ ትኽእሉ ኢኹም።
◼ እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ ኵሎም ኣወሃሃድቲ ተዓዘብትን ጸሓፍትን ኣድራሻን ቍጽሪ ተሌፎንን ኪሕዝ ይደሊ እዩ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ለውጢ እንተልዩ: እቲ ጸሓፊ ነቲ ናይ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ/ጸሓፊ ለውጢ ኣድራሻ ዚሕብር ቅጥዒ (S-29) መሊኡ ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብቕልጡፍ ኪልእኾ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ኣብ ቍጽሪ ተሌፎን ዚግበር ለውጢ እውን ዜጠቓልል እዩ።
◼ ናይ 2005 ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዚግበረሉ ዕለት:-
16-18 መስ. ኣዲስ ኣበባ*ወረዳታት 3ሀ, 1ሀ ኣምሓርኛ/ናይ ምልክት ቋንቋ
23-25 መስ. ኣዲስ ኣበባወረዳታት 2ሀ, 7ሀ ኣምሓርኛ
30 መስ.-2 ጥቅ. ኣዲስ ኣበባወረዳታት 5ሀ,1ለ ኣምሓርኛ
7-9 ጥቅ. ኣዲስ ኣበባወረዳ 5ለ እንግሊዝኛ
14-16 ጥቅ. ኣዲስ ኣበባወረዳታት 6ሀ, 9ሀ ኣምሓርኛ
23-25 መስ. ጅማወረዳታት 1ሐ, 8ሐ ኣምሓርኛ
23-25 መስ. ድሬዳዋወረዳ 7ሐ ኣምሓርኛ
30 መስ.-2 ጥቅ. ባህር ዳርወረዳ 6ለ ኣምሓርኛ
30 መስ.-2 ጥቅ. ሻሸመኔወረዳ 4ሀ ኣምሓርኛ
7-9 ጥቅ. ሶዶወረዳታት 9ለ, 9ሐ ኣምሓርኛ
7-9 ጥቅ. ይርጋለምወረዳ 10 ሲዳምኛ
14-16 ጥቅ. ኣምቦወረዳ 8መ ኦሮምኛ
14-16 ጥቅ. ደሴወረዳ 2ለ ኣምሓርኛ
21-23 ጥቅ. ነቀምቴወረዳ 8ሀ ኣምሓርኛ
21-23 ጥቅ. ናዝሬትወረዳ 7ለ ኣምሓርኛ
21-23 ጥቅ. ኣለታ ወንዶወረዳ 4ለ ኣምሓርኛ
28-30 ጥቅ. ግምቢወረዳ 8ለ ኦሮምኛ
28-30 ጥቅ. ሶዶሞወረዳ 3ለ ወላይትኛ
28-30 ጥቅ. መቐለወረዳ 2ሐ ትግርኛ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዚውሰድ ኵሉ ናይ ኣውራጃ ኣኼባታት ኣብ ቀጽሪ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝርከብ መአከቢ ኣደራሽ እዩ ዚግበር
◼ ኣብ መኽዘን ዝመጸ ሓድሽ:- ኣምሓርኛን እንግሊዝኛን:- ኦርጋናይዝድ ቱ ዱ ጂሆቫስ ዊል