ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ
8ይ ክፋል:- ነቶም ተመሃሮ ናብ ማሕበር ከም ዜተኵሩ ምግባር
1. ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ማሕበር የሆዋ ገለ ነጥብታት ምምይያጥ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
1 ንሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰረተ-እምነትና ጥራይ ክንምህሮም ዘይኰነስ ኣባላት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኪዀኑ ኽንሕግዞም እውን እዩ። (ዘካ. 8:23) እታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታዎት እዮም፧ እንታይከ እዮም ዚኣምኑ፧ ዘርእስታ ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ከምዚ ንኽንገብር ክትሕግዘና ትኽእል እያ። ቅዳሕ እዛ ብሮሹር እዚኣ ንተመሃሮኻ ሃቦም: ኬንብብዋ ድማ ኣተባብዓዮም። ብተወሳኺ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ብዛዕባ ማሕበር የሆዋ ገለ ነጥብታት ግለጸሎም።
2. ንተመሃሮኻ ናብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኪመጹ ኸተተባብዖም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
2 ናይ ጉባኤ ኣኼባታት:- ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንማሕበር የሆዋ ኼማስዉላ ኺሕግዞም ዚኽእል ቀንዲ መገዲ: ምሳና ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ብምክፋል እዩ። (1 ቈረ. 14:24, 25) ስለዚ እምበኣር: ንሓሙሽቲኡ ሰሙናዊ ኣኼባታትና በብሓንቲ እናገለጽና ኸም ዚፈልጥዎ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ኣርእስቲ እቲ ኣብ ዚመጽእ ሰሙን ዚቐርብ ህዝባዊ ዝርርብ ንገሮም። ኣብ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ኣብ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ዚውሰድ ጽሑፍ ሓብሮም። ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኸምኡውን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ እንታይ ምዃኑ ግለጸሎም። ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኽፍሊ ምስ ዚህልወካ እውን ምስ ተመሃሮኻ ዄንካ ኽትለማመደሉ ትኽእል ኢኻ። ገለ ኻብቲ ኣብ ጉባኤ ዝቐረበ ጕሉሕ ነጥብታት ምስኦም ተመያየጠሉ። ነቲ ኣብ ጽሑፋትና ዚወጽእ ስእልታት ተጠቒምካ ኣብ ጉባኤ ዚግበር ንጥፈታት ኣብ ኣእምሮኦም ኪስእልዎ ሓግዞም። ካብታ ፈለማ መጽናዕቲ ዝጀመሩላ ግዜ ኣትሒዝና ናብ ጉባኤ ኺመጹ ንዓድሞም።
3. ከመይ ዝበለ ነታ ማሕበር ዚምልከት ነገራት ኢና ኽንዘራረበሉ ዘሎና፧
3 በዓል ዝኽሪ: ዓበይቲ ኣኼባታት: ከምኡውን ናይ ገያሺ ተዓዛቢ ምብጻሕ እናቐረበ ኺመጽእ ከሎ: ሒደት ደቓይቕ ወሲድካ ብዛዕባኡ ግለጸሎም ከምኡውን ነዚ ምድላው እዚ ህንጥዮት ከም ዜሕድሩ ግበር። ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት በብግዜኡ መልሰሎም:- ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂልና እንጽዋዕ ስለምንታይ ኢና፧ መአከቢና ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ስለምንታይ እዩ፧ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን እንታይ ሓላፍነታት እዩ ዘለዎም፧ ዕዮ ምስክርነትን ዞባታትን ብኸመይ ይመሓደር፧ ጽሑፋትና ብኸመይ ይዳሎ፧ እታ ማሕበር ብኸመይ ትምወል፧ ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈትን ኣመሓዳሪ ኣካልን ነዚ ዕዮ እዚ ኣብ ምዕዛብ እንታይ ግደ እዩ ዘለዎም፧
4, 5. ቪድዮታትና ንማሕበር የሆዋ ዘሎና ሞሳ ኣብ ምዕባይ ኪሕግዝ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
4 መሃሪ ቪድዮታት:- ቪድዮታትና ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ እተደንቕ ማሕበር የሆዋ ብዝበለጸ ኺፈልጥዋ ዚሕግዝ ካልእ መገዲ እዩ። እታ ቱ ዘ ኤንድስ ኦፍ ዘ አርዝ እትብል ቪድዮ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚካየድ ናይ ምስክርነት ንጥፈታትና እተርኢ እያ: ኣዋር ሆል ኣሶስየሽን ኦፍ ብራዘርስ እትብል ድማ ዓለምለኻዊ ሕውነትና እተርኢ ኽትከውን ከላ: እታ ዩናይትድ ባይ ዲቫይን ቲቺንግ ዘርእስታ ቪድዮ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎም ሕብረት እተርኢ እያ። ሓንቲ ንሓሙሽተ ዓመት ዚኣክል መጽሔታትናን ካልእ ጽሑፋትናን ብቐጻሊ እትቕበል ዝነበረት ሰበይቲ: ነታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ዘ ኦርጋናይዜሽን ቢሃይንድ ዘ ኔም ዘርእስታ ቪድዮ ምስ ረኣየት ነቢዓ እያ። ነተን ተመላሊስካ ምብጻሕ ዚገብራላ ዝነበራ ኣሓት ትኣምነን እኳ እንተ ነበረት: ነታ ቪድዮ ምስ ረኣየታ ግን ንማሕበር እውን ክትኣምና ኸም እትኽእል ተገንዘበት። ስርዓታዊት ኰይና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ጀመረት: ኣብታ እትቕጽል ሰሙን ድማ ኣብቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታት ተኻፈለት።
5 ምስቶም መጽናዕቲ እንመርሓሎም ተመሃሮ: በቲ ተዳልዩልና ዘሎ መሳርሒታት ኣቢልና ብዛዕባ ማሕበር ኣምላኽ ንምዝርራብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሒደት ደቓይቕ ምስ እነሕልፍ: እቶም ተመሃሮ ናብታ ሎሚ የሆዋ ዚጥቀመላ ዘሎ እንኮ ማሕበር ከም ዜተኵሩ ኽንገብር ንኽእል ኢና።