ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 28 ለካቲት 2005 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብቓል ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣብቲ ኻብ 3 ጥሪ ኽሳዕ 28 ለካቲት 2005 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ናይ ዝርርብ ነጥቢ
1. ከመይ ዝበሉ ስያመታት እዮም ተወሳኺ መግለጺ ዜድልዮም፧ [ht ገጽ 16 ¶17-18]
2. ሰማዕቲ ነቲ ሓሳባት ምእንቲ ኺዝክርዎ ንዝርርብና ብኸመይ ኣገባብ ከነቕርቦ ኣሎና፧ [ht ገጽ 12 ¶2-ገጽ 13 ¶3]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
3. ታራ ኣቦ ኣብርሃም ጣኦታት ዜምልኽ ድዩ ነይሩ፧ (እያ. 24:2)
4. ጊዴዎን ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ዕዮ ንምፍጻም ትብዓት ስኢኑ ነይሩ ማለት ድዩ፧ ከምኡ ኢልካ ዝመለስካ ስለምንታይ ኢኻ፧ (መሳ. 6:25-27)
5. ካብቲ ጊዴዎን ንሰብ ኤፍሬም እተዛረበሉ ኣገባብ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (መሳ. 8:1-3)
6. ሰብ ጊብዓ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ዘይምንባሮም እንታይ እዩ ዜመልክት፧ (መሳ. 19:14, 15)
7. ‘ነፍሲ ወከፍ እቲ ቕኑዕ ኰይኑ እተራእዮ ዚገብር’ እንተደኣ ነይሩ ዀይኑ: እዚስ ፋሉልነት ደይኰነን ዜተባብዕ፧ (መሳ. 21:25)