ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/04 ገጽ 5
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 12/04 ገጽ 5

ምልክታታት

◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ታሕሳስ:- ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ። ከም ኣማራጺ: ዘ ባይብል—ጎድስ ዎርድ ኦር ማንስ፧ ምብርካት ይከኣል እዩ። ጥሪ:- በታ ንቑሕ ኩን! ዘርእስታ ብሮሹር ዚግበር ፍሉይ ወፈራ። ለካቲት:- ንየሆዋ ቕረቦ። መጋቢት:- ንቑሕ ኩን።

◼ ኣብ ናይ 22 ጥሪ 2005 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) [ብኣምሓርኛ ኣብ ናይ መጋቢት 2005 ሕታም ንቕሑ!] ካብ ገበር ኣትሒዘን ዚወጻ ተኸታተሊ ዓንቀጻት: ሰባት ንሓካይም ንኺርድእዎም ተባሂለን እተዳለዋ እየን። እንተዀነ ግን: እቲ ዓንቀጻት ገሊኦም ሓካይም ንምንታይ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ኸም እተሳሕቡ ስለ ዚገልጽ: ንዓታቶም እውን ከም ዜገድሶም ኣየጠራጥርን እዩ። ተወሳኺ ቕዳሓት ክትእዝዙ: ንሓኪምኩም ኰነ ንኻልኦት ሰብ ሞያ ሕክምና ንምብርካት ፍሉይ ጻዕሪ ኽትገብሩ ትደልዩ ትዀኑ። ጉባኤታት እዛ ሕታም እዚኣ ብብዝሒ ኽትለኣኸለን እንተ ደልየን: ነቲ ተወሳኺ ትእዛዝ ቀልጢፈን ንጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኬፍልጣ ኣለወን።

◼ እቶም ካብ መጋቢት ክሳዕ ግንቦት ግዝያዊ ፍሉይ ፓይነር ኴንካ ኣብ ዚግበር ናይዚ ዓመት እዚ ናይ ፍሉይ ዞባታት ወፈራ ኺካፈሉ ዝደልዩ ስርዓታውያን ፓይነራት ወይ ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ: ክሳዕ 31 ታሕሳስ 2004 ነዚ ዚስዕብ ዝርዝራት ኣብ ወረቐት ጽሒፎም ኪልእኹ ኣለዎም:- 1) ስም፣ 2) ዕድመ፣ 3) ዕለት ጥምቀት፣ 4) ንጽል ወይስ ብዓል ሓዳር: ቍጽሪ እትኣልዮም ሰባት፣ 5) ከተገልግለሉ እትኽእል ኣዋርሕ [መጋቢት-ግንቦት፧]፣ 6) እትፈልጦ ቋንቋታት፣ 7) እቲ ኣመልካቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ስርዓታዊ ዀይኑ ይካፈል ድዩ ኣይካፈልን ይተሓበር። ድሕርዚ እቶም ናይታ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ምሕጽንታ ኺውስኹሉን ክታም ኬንብርሉን ኣለዎም።

◼ ናይ 2005 በዓል ዝኽሪ መዓደሚ ወረቐት በቲ እታ ጉባኤ እትጥቀመሉ ቛንቋ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኺለኣኽ እዩ።

◼ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ: ኣካል ሽማግለታት ናይ በዓል ዝኽሪ ዝርርብ ዜቕርብ ሓው ኪመርጹ ኸለዉ ሓደ ኻብቶም ዝያዳ ብቕዓት ዘለዎም ሽማግለታት ኪመርጹ ደኣ እምበር በብተራ ኬቕርብዎ ወይውን ዓመት ዓመት ንሓደ ሓው ጥራይ ኪህብዎ ኣይግባእን። ካብቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ዝርርብ ኪህብ ዚኽእል ሽማግለ ምስ ዚህሉ: ነቲ ዝርርብ ንሱ ኺህቦ ኣለዎ።

◼ ናይ 2006 በዓል ዝኽሪ: ረቡዕ 12 ሚያዝያ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኺበዓል እዩ።

◼ ካብ 27 ሰነ 2005 እትጅምር ሰሙን ኣትሒዙ: ኣብ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ነታ ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ ከነጽንዕ ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ