ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 27 ታሕሳስ 2004 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብቓል ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣብቲ ኻብ 1 ሕዳር ክሳዕ 27 ታሕሳስ 2004 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርኣ።]
ክፍሊ ቍ. 1
1. ነቲ ኻብ ማይ ኣይሂ ኽሳዕ ፍጥረት ኣዳም ዘሎ ግዜ ብኸመይ ክንቈጽሮ ንኽእል፧ [bsi04 ገጽ 4 ¶12]
2. ነታ የሱስ ኣገልግሎቱ ዝጀመረላ ዕለት ብኸመይ ክንፈልጣ ንኽእል: ኣገልግሎቱ ድሕሪ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ከም ዝወድአ ንኽንኣምን ዚሕግዘናኸ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧ [bsi04 ገጽ 5 ¶16]
3. (ሀ) እቲ “የሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዚብል ቃል” መዓስ እዩ ወጺኡ፧ (ለ) ካብቲ እቲ ቓል ዚወጸሉ ኽሳዕ እቲ የሱስ ከም መሲህ ኰይኑ እተቐልቀለሉ ግዜ ኽንደይ ዚኣክል ዓመታት እዩ ሓሊፉ፧ (ዳን. 9:24-27) [bsi ገጽ 5 ¶18-19]
4. ‘ምስ ኣሕዋትና ምእንቲ ኽንዕረቕ’ ካብ ልቢ ይቕሬታ ምሕታት እንታይ የጠቓልል፧ (ማቴ. 5:23, 24) [w02 1/11 ገጽ 6 ሕጡብ ጽሑፍ 1, 5]
5. ካልኣይ ነገስት 13:18, 19 ነቲ ኣምላኽ ዚህበና ዕዮታት ብዛዕባ ምፍጻም እንታይ ትምህረና፧ [w02 1/12 ገጽ 31 ሕጡብ ጽሑፍ 1-2]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
6. እስራኤላውያን ነቲ ንሳቶም ኪበልዕዎ ዘይክእሉ ሕሉቕ ንስደተኛ ኺህብዎ ወይ ንጓና ኺሸጡሉ ዚኽእሉ ስለምንታይ እዮም፧ (ዘዳ. 14:21)
7. ኣብ ዘዳግም 20:5-7 ከመይ ዝበለ ትምህርቲ እዩ ተዳልዩልና ዘሎ፧
8. ‘መጥሓንን መዲድን ንታሕዚ ምውሳድ: ንነፍሲ ምስ ምሓዝ’ እተመሳሰለ ስለምንታይ እዩ፧ (ዘዳ. 24:6)
9. እስራኤላውያን ዝዀነ ይኹን ስብሒ ኸይበልዑ ስለ እተኸልከሉ: “ስብሒ ገንሸል” ምብላዕ ኪበሃል ከሎ ንምንታይ የመልክት፧ (ዘዳ. 32:13, 14)
10. ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ምስቲ ናይ ኣካን ሓጥእ ኵነታት ዚመሳሰል እንታይ ኣሎ፧ (እያ. 7:1-26) [w86 15/12 ገጽ 20 ሕጡብ ጽሑፍ 20 እንግሊዝኛ]