ንፍትሒ የሆዋ ቕድሓዮ
1 የሆዋ “ጽድቅን ፍትሕን ይፈቱ።” (መዝ. 33:5 ትርጕም 1990) ስለዚ ኸኣ ነዛ ጽድቂ ዘይብላ ዓለም ክትጠፍእ እኳ እንተ ፈረዳ: ቅድም ግን መጠንቀቕታ ንኺንገር ምድላዋት ገይሩ እዩ። (ማር. 13:10) እዚ ድማ ሰባት ተነሲሖም ንኺድሕኑ ዕድል ይህቦም። (2 ጴጥ. 3:9) ንሕናኸ ነዚ ናይ የሆዋ ፍትሒ ኽንቀድሕ ንጽዕር ዲና፧ ንሰባት ዚረኽቦም ዘሎ ስቓይን መከራን ብዛዕባ ተስፋታት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብከሎም ኣይድርኸናንዶ፧ (ምሳ. 3:27) ፍትሒ ንፈቱ እንተደኣ ዄንና ኣብ ስብከት ብንጥፈት ኢና እንሳተፍ።
2 ብዘይ ኣድልዎ ስበኽ:- ንዅሎም ሰባት ብዘይ ኣድልዎ ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ብምንጋር “ቅንዕና [ፍትሒ] ኽንገብር” ንኽእል ኢና። (ሚክ. 6:8) ዘይፍጽምናና ንሰባት ብደጋዊ ትርኢቶም ጥራይ ኣቐዲምና ኸም እንፈርድ ከይገብረና ኽንጥንቀቕ ኣሎና። (ያእ. 2:1-4, 9) የሆዋ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” እዩ ዚፈቱ። (1 ጢሞ. 2:4) ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ: ሰባት ኣብ ህይወቶም ዜደንቕ ለውጢ ንኺገብሩ ጽልዋ ይገብረሎም እዩ። (እብ. 4:12) ነዚ ሓቂ እዚ ምግንዛብና ዋላ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ምስማዕ ዝኣበዩና ሰባት ኬድና ንኸነዘራርቦም የለዓዕለና።
3 ኣብ ሓደ ድኳን እትሰርሕ ሓንቲ ሓብቲ ኣካላዊ ትርኢት ናይ ሓደ ኣዘውቲሩ ዚመጽእ ዓሚል የፍርሃ ነበረ። ይኹን እምበር: ምሹእ ኣጋጣሚ ምስ ረኸበት: ብዛዕባ እታ ኣምላኽ እተመባጽዓላ ገነት ነገረቶ። ንሱ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ጽውጽዋያት ከም ዘይኣምነሉን ውሉፍ ሓሽሽ ምዃኑን ኣግሂዱ ነገራ። እታ ሓብቲ ግን ኣይተሓለለትን። ሓደ መዓልቲ ብዛዕባ እቲ ነዊሕ ጸጕሩ እንታይ ርእይቶ ኸም ዘለዋ ምስ ሓተታ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚብል ብሜላ ኣረድኣቶ። (1 ቈረ. 11:14) ንጽብሒቱ ጸጕሩ ቖሪጹ: ጭሕሙ ድማ ተላጽዩ መጸ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሉ ሓተተ እሞ ምስ ሓደ ሓው ኬጽንዕ ጀመረ: ህይወቱ ወፍዩ ድማ ተጠመቐ። ንየሆዋ ዜገልግሉ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ልክዕ ከምዚ ሰብኣይ እዚ: ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኼብጽሑሎም ብዘይ ኣድልዎን ብዘይ ምሕላልን ዚገበሩሎም ጻዕሪ የማስውሉ እዮም።
4 ድሕሪ ቕሩብ ግዜ የሆዋ ንዓመጻ ኻብ ገጽ ምድሪ ኼጥፍኦ እዩ። (2 ጴጥ. 3:10, 13) ኣብዘን ተሪፈን ዘለዋ ግዜ እምበኣር: ሰባት ካብቲ ዚመጽእ ዘሎ ጥፍኣት ናይ ሰይጣን ዓለም ንኺድሕኑ ብምስባኽ ንፍትሒ የሆዋ ንቕድሓዮ።—1 ዮሃ. 2:17