ንዓለማዊ ስልጣን ኪህልወና ዘለዎ ግቡእ ኣረኣእያ*
“ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ።” (ግብ. 5:29) ነዚ ንኣምላኽ ዘሎና ግዴታ ኽንፍጽም ከለና: ምስቲ “ቄሳር” ዚደልዮ ነገራት ኪጋጮ ዚኽእል እኳ እንተዀነ: ነቲ ዘይንሰማምዓሉ ሕግታት ብውልቅና ምጥሓስ ግን ካብዚ እተፈልየ ጕዳይ እዩ። በረኣእያ ሰባት: ገሊኡ ሕግታት ዘየድሊ ወይ ቀያዲ ኺመስል ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: ከምዚ ዝኣመሰለ ምኽንያት: ነቲ ምስ ሕግታት ኣምላኽ ዚጋጮ ነገራት ዕሽሽ ንምባል መመኽነይታ ኣይኰነናን እዩ። ኵሎም ሰባት ነቲ ዚጠቕሞም ኢሎም ዝሓስብዎ ሕግታት ጥራይ እንተ ኣኽቢሮም እንታይ እዩ ዚኸውን፧ እዚ ናብ ፋሉልነት እዩ ዚመርሕ።
ሓደ ሰብ ኣብ ዘይተሓዘሉ ወይ ኣብ ዘይቅጽዓሉ ዅነታት ንስልጣናት ዕሽሽ ኢሉ ቓሕ ዝበሎ ኺገብር ይደሊ ይኸውን። እዚ ግን ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ሓደ ሰብ ፈለማ ኣብ ንኣሽቱ ነገራት ሕጊ ጥሒሱ እንተ ዘይተቐጺዑ: ዝዓበየ ሕጊ ኺጥሕስ እዩ ዚደፋፈር። ከምቲ ኣብ መክብብ 8:11 ተጠቒሱ ዘሎ: “እኩይ ግብሪ ብቕልጡፍ ኣይፍረድን እዩ እሞ: ስለዚ ልቢ ደቂ ሰብ እኩይ ንምግባር ብሃቐና መልኤ።” እንተዀነ ግን: ሓደ ሰብ መቕጻዕቲ ፈሪሁ ጥራይ ድዩ ሕጊ ኬኽብር ዘለዎ፧ ክርስትያናት ካልእ ዓብዪ ምኽንያት ኣለዎም። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብዚ መዳይ እዚ ስለ ሕልና ኢልና ኽንግዛእ ከም ‘ዚግብኣና’ ገለጸ። (ሮሜ 13:5) ብስርዓታት ቅዱሳት ጽሑፋት ዝሰልጠነ ሕልና ዘለዎ ሰብ: ሕጊ ምጥሓስ ምስ “ስርዓት ኣምላኽ” ዚጻረር ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። (ሮሜ 13:1, 2) ካልኦት ሰባት እንገብሮ ዘሎና ይፍለጡ ኣይፍለጡ ብዘየገድስ: ኣምላኽ ይፈልጦ እዩ: መጻኢ ህይወትና ድማ ኣብኡ እተመርኰሰ እዩ።—1 ጴጥ. 2:12-17
ቈልዑን መንእሰያትን ንመምህሮም: ዓበይቲ ኸኣ ነስራሒኦም ኣኽብሮት ኪህልዎም ኣለዎ። ብዙሓት ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ጌጋ ዚገብሩ ምዃኖም: ምኽንያት ኣይኰነናን እዩ። እቲ መምህር ወይ እቲ ኣስራሒ ነቲ እንገብሮ ነገራት ይፍለጥ ኣይፍለጥ ዜገድስ ኣይኰነን። የግዳስ: ‘እቲ ቕኑዕ እንታይ እዩ፧ ንኣምላኽ ዜሐጕሶ እንታይ እዩ፧’ ዚብል ሕቶታት እዩ ዜገድሰና። ምስ ሕጊ ወይ ጽድቃዊ ስርዓታት ኣምላኽ ዘይጋጮ ነገር ክንገብር እንተ ተሓቲትና: ክንተሓባበር ኣሎና። ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ: መምህራን ተወከልቲ እቲ ዓለማዊ መንግስቲ: ማለት ተወከልቲ እቶም “ስልጣናት” ስለ ዝዀኑ ኽብሪ ይግብኦም እዩ። ነስራሕቲ ብዚምልከት ከኣ ጳውሎስ ነቲ ኣብ ቲቶስ 2:9, 10 ዚርከብ ስርዓት: ነቲ ኣብ መንጎ ባሮትን ጐይተትን ዝነበረ ርክብ ኣመልኪቱ እኳ እንተ ተዛረቦ: ኣብዚ መዳይ እዚውን ኪዓዪ ይኽእል እዩ። ጳውሎስ “ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ምእንቲ ኺስልምዎ: ብዅሉ ደኣ ሕያወይቲ እምነት ኬርእዩ . . . ብዅሉ ባህ ዜብሉ ኪዀኑ” ኢሉ ጸሓፈ። በዚ ኸምዚ በቲ መንፈሱ “ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብር ዘሎ” ሰይጣን ኣይንጽሎን: ምስ ሰባት ከኣ ሰላማዊ ርክብ ይህልወና።—ኤፌ. 2:2, 3
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
* እዚ ጽሑፍ እዚ ኻብታ ትሩ ፒስ ኤንድ ሰኲሪቲ (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ መጽሓፍ ገጽ 134-6 እተወስደ እዩ።