ንስኻውን እትሳተፈሉ መጥቃዕቲ ፈረሰኛታት
1, 2. ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ፍጻመ እቲ ኣብ ራእይ 9:13-19 ዚርከብ ትንቢታዊ ራእይ ብኸመይ እዮም ዚሳተፉ፧
1 “እቲ ሳድሳይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ።” ድሕሪኡ: “ክልተ እልፊ ጊዜ እልፊ” ዝቝጽሮም “ሰራዊት ፈረሰኛታት” ወጹ። እዚኣቶም ተራ ሰራዊት ኣይኰኑን። “ኣራእስ እቶም ኣፍራስ ከም ኣራእስ ኣናብስ ይመስል።” ካብ ኣፎም ሓውን ትክን ዲንን ይወጽእ ነበረ። “እቲ ጭራኦም ኣትማን እዩ ዚመስል።” እዞም ምሳልያውያን ፈረሰኛታት እዚኣቶም ከቢድ ጕድኣት እዮም ዜውርዱ። (ራእ. 9:13-19) ኣብ ፍጻመ እዚ ዜደንቕ ትንቢታዊ ራእይ እዚ ብኸመይ ከም እትሳተፍ ትፈልጥዶ፧
2 እቶም ቅቡኣት ተረፍን እቶም ብጾቶም ካልኦት ኣባጊዕን: ብሓድነት ንፍርድታት ኣምላኽ የፍልጡ እዮም። እዚ ኸኣ ህዝበ-ክርስትያን ብመንፈሳዊ ኣረኣእያ ኸም ዝሞተት ዜቃልዕ እዩ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚፍጽምዎ ኣገልግሎት ንምንታይ ውጽኢታዊ ኸም ዝዀነ ዜጕልሕ ክልተ ኣብዚ ትንቢታዊ ራእይ እተገልጸ መዳያት እስከ ንመርምር።
3. መልእኽቲ ኣምላኽ ብዚግባእ ንምስባኽ እንታይ ስልጠና ኢኻ ረኺብካ፧
3 መልእኽቲ ኣምላኽ ንኼብጽሑ ዝሰልጠኑን እተዓጥቁን:- ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርትን ብኻልእ ናይ ጉባኤ ኣኼባታትን ኣቢሎም: ንቓል ኣምላኽ ብስልጣን ንኺዛረቡ ሰልጢኖም እዮም። ንየሱስን ንደቀ መዛሙርቱን ብምምሳል: ኣብ ኵሉ እቲ ሰባት ዚርከቡሉ ቦታታት ብምስባኽ ነቶም ብቑዓት የናድይዎም። (ማቴ. 10:11፣ ማር. 1:16፣ ሉቃ. 4:15፣ ግብ. 20:18-20) እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዓይነት ስብከት ብዙሕ ፍረ እዩ ኣፍርዩ።
4. ብዙሓት ኣስፋሕቲ ዕዮኦም ንምፍጻም ዚሕግዞም እንታይ መሳርሒታት እዩ ዘለዎም፧
4 ክርስትያናት ኣገልገልቲ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም መዝነት ስብከት ንምፍጻም ብቢልዮናት ዚቝጸር ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ: መጻሕፍቲ: ብሮሹራት: ከምኡውን መጽሔታት ዓዲሎም እዮም። እዚ ጽሑፋት እዚ ብ400 ቋንቋታት ኣቢልካ ዚዳሎ ዀይኑ: በብዓይነቱ ኣርእስታት ዚድህስስን ንልቢ እተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ዚትንክፍ ሜላታት ዘለዎን እዩ። ነዚ መሳርሒታት እዚ ብዚግባእ ትጥቀመሉዶ ኣሎኻ፧
5, 6. ህዝቢ የሆዋ ኻብ ሰማይ ደገፍ ከም ዚዋሃቦም ዚሕብር እንታይ እዩ፧
5 መምርሕን ደገፍን ካብ ሰማይ:- እቲ በቶም ምሳልያውያን ፈረሰኛታት ዚገብርዎ መጥቃዕቲ እተመሰለ ንጥፈታት ደገፍ ኣምላኽ ከም ዘለዎ: ኣብቲ ትንቢታዊ ራእይ ንጹር ኰይኑ እዩ። (ራእ. 9:13-15) እቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ብጥበብን ሓይልን ሰብ ዘይኰነስ: ብመንፈስ ኣምላኽ እዩ ዚፍጸም። (ዘካ. 4:6) የሆዋ ነዚ ዕዮ እዚ ንምምራሕ መላእኽቲ ይጥቀም ኣሎ። (ራእ. 14:6) ስለዚ ድማ ኣብ ርእሲ እቲ ሰብኣውያን መሰኻኽር የሆዋ ዚገብርዎ ጻዕርታት: የሆዋ ነቶም ትሑታት ናብኡ ምእንቲ ኺስሕቦም ካብ ሰማይ ደገፍ ይህብ እዩ።—ዮሃ. 6:45, 65
6 ህዝቢ የሆዋ መልእኽቲ ኣምላኽ ንምብጻሕ ዝሰልጠኑን ብዚግባእ እተዓጥቁን ብምዃኖም: ከምኡውን ሓገዝ መላእኽቲ ስለ ዘለዎም: ዓጋቲ የብሎምን። እምበኣር: ኣብ ፍጻመ እዚ ዜደንቕ ትንቢታዊ ራእይ እዚ እጃምና ኻብ ምብርካት ኣይንስነፍ።