ነታ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ ብምጽናዕ ተጠቐም
1 ኣብቲ “ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ: ነታ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ ብምርካብና ተሓጒስና ኢና። ሓያሎ ነታ መጽሓፍ ብኡንብኡ ኣንቢቦምዋ እዮም። ካብኦም ዚበዝሑ ድማ በታ “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” እትብል ናይ 2003 ዓመታዊት ጥቕሲ ተደሪኾም ንየሆዋ ቐሪቦምዎ እዮም።—ያእ. 4:8
2 ካብ መጋቢት ኣትሒዝና ነታ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ከነጽንዓ ኽንጅምር ኢና። ካብቲ መጽናዕቲ ኸመይ ጌርና ኢና ብዙሕ ክንጥቀም እንኽእል፧ ምድላው ኣገዳሲ እዩ። ንነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ከክልተ ሰሙን ኪምደበላ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ውሕድ ዝበለ ቝጽርታት እዩ ዚጽናዕ። እዚ ኸኣ ካብቲ ኣብቲ ጽሑፍ ዝገበርካዮ መጽናዕትን ምስትንታንን ተበጊስካ ኻብ ልቢ ዝመነጨ ሓሳባት ንኽትህብ እኹል ግዜ ኼፍቅደልካ እዩ። ብዘይካዚ: መደምደምታ ሓንቲ ምዕራፍ ኣብ ዚውሰደሉ ሰሙን: ነቲ ኣብዛ መጽሓፍ ዘሎ ፍልይ ዝበለ ሳጹን ንምምይያጥ ዝወሓደ ቝጽርታት እዩ ተመዲቡ ዘሎ።
3 ካብ ምዕራፍ 2 ኣትሒዙ “ንምስትንታን ዝኸውን ሕቶታት” ዘርእስታ ሳጹን ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ኣላ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ነታ ናይ መወዳእታ ቝጽሪ ምስ ተመያየጥኩምላ: እቲ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ በታ ሳጹን ተመርኲሱ ምስ ኣባላት እታ ጕጅለ ምይይጥ ይገብር። ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ምስትንታን ዜፍርዮ ሰናይ ፍረ ምእንቲ ኺርአ ድማ: ነቶም ኣባላት እታ ጕጅለ ሓሳባቶም ኪገልጹ የተባብዖም። (ምሳ. 20:5) ኣብ ርእሲ እቲ ኣብታ ሳጹን ዚርከብ ሕቶታት: ሓድሓደ ግዜ “እዚ ትምህርቲ እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እዩ ዚነግረኩም፧ ንህይወትኩም ብኸመይ እዩ ዚትንክፎ፧ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብኸመይ ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ፧” ዚብል ሕቶታት ኪሓትት ይኽእል እዩ። ሸቶኡ ኻብ ልቢ ዝመነጨ ሓሳባት ከም ዚህቡ ንምግባር ደኣ እምበር: ብዛዕባ ደቀቕቲ ነገራት ንኼዋጥሮም ኢሉ ኣይኰነን።
4 ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ ፍልይ ዝበለት እያ። ኵሉ እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዘውጽኦ ጽሑፋት ንየሆዋ ኽብሪ ዜምጽኣሉ እኳ እንተዀነ: እዛ መጽሓፍ እዚኣ ግን ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ እያ እትገልጽ። (ማቴ. 24:45-47) ኣየ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ በረኸት ኰን እዩ ዚጽበየና ዘሎ! ባህርያት የሆዋ ብዕምቈት ምስ እነጽንዕ ብዙሕ ክንጥቀም ኢና። እዚ መጽናዕቲ እዚ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ብዝያዳ ንኽንቀርቦ ይሓግዘና: ካልኦት ከምኡ ኺገብሩ ኣብ ምሕጋዞም ድማ ውጽኢታውያን ከም እንኸውን ይግበረና።