መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ታሕ.
“ኣብዚ ግዜና ገሊኣቶም ሰባት ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮም እምነት ይጠፍእ ኣሎ። ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከምዚ ቐጺለ ዜንብበልካ ዝኣመሰለ ዜጨንቖም ሕቶታት ዜዕግብ መልሲ ኺረኽቡሉ ብዘይምኽኣሎም እዩ። [ካብቲ ኣብ ገጽ 6 ዚርከብ ሳጹን ኣብነት ሃብ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ብዛዕባ ሓደ ኻብቲ ኣብ ኣምላኽ ናይ ሓቂ እምነት ንኺህልወና ዜኽእለና ኣገዳሲ ረቛሒታት እያ እትገልጽ።” ፊልጲ 1:9 ኣንብብ።
Dec. 8
“ደቅሰብ ከምዚ ቐጺለ ኣብ ዜንብበልካ ጥቕሲ ተገሊጹ ዘሎ ዝኣመሰለ ዅነታት ኪነብሩ ዚኽእሉዶ ይመስለካ፧ [ኢሳይያስ 14:7 ኣንብብ። ድሕሪኡ መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ነዚ መብጽዓታት ኣምላኽ ኪፍጸም ክንጽበ ኸለና ዚጠቕመና ሓበሬታ ዝሓዘት እያ።” ነታ “ንሕማቕ ትምኒት ብኸመይ ክንጻረሮ ንኽእል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣርእዮ።
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ታሕ.
“ብዙሓት ሰባት ንናብራ ስድራቤቶም ዜሐጕስ ምግባር ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ምዃኑ ይሰማምዑሉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስድራቤት የሱስ ዚብሎ ነገራት ክንስዕቦ ዘሎና ሰናይ ኣብነት ይዀነና። ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ስድራቤት ከም ዝዓበየ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ሉቃስ 2:51, 52 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ኣተዓባብያ የሱስ ክንረኽቦ እንኽእል ትምህርቲ ትገልጸልና።”
Dec. 22
“ኵላትና ደቅና ዜሐጕስን ዕዉትን ናብራ ኺነብሩ ኢና እንደሊ። ውሉዳት ነቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ጭንቀት ንኺጻወርዎ ልዕሊ ዅሉ እንታይ የድልዮም ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ምሳሌ 22:6 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ንቘልዑ እንታይ ከም ዜድልዮምን ወለዲ ነዚ ብኸመይ ኬማልኡሎም ከም ዚኽእሉን ትገልጽ።”