ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ታሕሳስ:- ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ። ከም ኣማራጺ ዘ ባይብል—ጎድስ ዎርድ ኦር ማንስ፧: መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት: ወይ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ። ጥሪ:- ቅድሚ 1988 እተሓትመ ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ዝርከብ ዝዀነ ይኹን መጽሓፍ። እዚ መጻሕፍቲ እዚ ኣብ መኽዘን ምስ ዘይህልወኩም: ጐረቤትኩም ጉባኤ ዝያዳ እንተልዩዋ ኽትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። እተን ናይ ቀደም መጻሕፍቲ ዘይብለን ጉባኤታት ማንካይንድስ ሰርች ፎር ጎድ ዘርእስቱ መጽሓፍ ክዕድላ ይኽእላ እየን። ለካቲት:- ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! መጋቢት:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ፍሉይ ጻዕሪ ኽግበር እዩ። ሰባት ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ እንተልያቶም: ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ ክዕደል ይከኣል እዩ።
◼ እቶም ኻብ መጋቢት ክሳዕ ግንቦት ግዝያዊ ፍሉይ ፓይነር ኴንካ ኣብ ዝግበር ናይዚ ዓመት እዚ ናይ ፍሉይ ዞባታት ወፈራ ኽካፈሉ ዝደልዩ ስርዓታውያን ፓይነራት ወይ ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ: ክሳዕ 31 ታሕሳስ 2003 ነዚ ዝስዕብ ዝርዝራት ኣብ ወረቐት ጽሒፎም ክልእኹ ኣለዎም:- 1) ስም፣ 2) ዕድመ፣ 3) ዕለት ጥምቀት፣ 4) ንጽል ወይስ በዓል ሓዳር: ቍጽሪ እትኣልዮም ሰባት፣ 5) ከተገልግለሉ እትኽእል ኣዋርሕ [መጋቢት-ግንቦት፧]፣ 6) እትፈልጦ ቋንቋታት፣ 7) እቲ ኣመልካቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዝግበር ኣገልግሎት ስርዓታዊ ዀይኑ ይካፈል ድዩ ኣይካፈልን ይተሓበር። ድሕርዚ እቶም ናይታ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ምሕጽንታ ክውስኹሉን ክታም ከንብርሉን ኣለዎም።
◼ ኣብቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮን ንማዕከን ኣደራሽ መንግስትን ዝብል ሳጹናት ዝኣቱ ወፈያታት ኣብ ወወርሒ ናብ ማሕበር ክለኣኽ ደኣ እምበር: ልቓሕ እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ንምኽፋል ወይ ንዝዀነ ይኹን ነታ ጉባኤ ዘድልያ ወጻኢ ኽውዕል ከም ዘይብሉ: ነቶም ናይ ጉባኤ ናይ ሕሳብ ኣገልገልቲ ኣሕዋት ከነዘኻኽሮም ንፈቱ።