መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሓም.
“ሓደ ኻብቲ ደቅሰብ ዝደልይዎ ኣዝዩ መሰረታዊ ነገር ከፍቅሩን ክፍቀሩን እዩ። [ኣብ ገጽ 4 ኣብ ላዕሊ ዘላ ጥቕሲ ኣንብብ።] እንተዀነ ግን: እዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሕብረተሰብ ንኻልእ ነገራት ቀዳምነት ይህብ ከም ዘሎ ኣስተብሂልካሉዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንታይ ምዃናን ብኸመይ ከነማዕብላ ኸም እንኽእልን ትገልጽ።” 1 ቈረንቶስ 13:2 ኣንብብ።
July 8
“ብዙሓት ሰባት ዘስካሕክሕ ዓይነት ዓመጻ እናበዝሐ ምኻዱ ይርብሾም እዩ። [ኣብቲ ኸባቢ እተፈጸመ ነገር ጥቐስ: መልሲ ድማ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ነዚ ዓመጻ እዚ ኣበርክቶ ዝገበረ ገለ ረቛሒታት ትሕብር። ኣምላኽ ንገበንን ዓመጻን ከመይ ገይሩ ሓንሳእን ንሓዋሩን ከም ዘጥፍኦ እውን ትገልጽ።” መዝሙር 37:10, 11 ኣንብብ።
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሓም.
“ብዙሓት ሰባት ካብ ካልኦት ተገሊልካ ናይ ምንባር ባህሪ እናበዝሐ ይኸይድ ምህላዉ ኣስተውዒሎምሉ ኣለዉ። ከምዚ ምግባርሲ ቕኑዕ ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብጻይ ምርካብ ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ ኣብዛ ጥበብ ዝሓዘት ምስላ እሞ ርአ። [መክብብ 4:9, 10 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ንዅላትና ኻልኦት ሰባት ዘድልዩና ስለምንታይ ምዃኑን ተገሊልካ ናይ ምንባር ጸገም ብኸመይ ከም እትፈትሖን ትገልጽ።”
July 22
“ብዙሓት ሰባት ስእለ-ጽዩፍ ፈቐዶኡ ዝርከብ ምዃኑ የተሓሳስቦም እዩ። እዚ ዘተሓሳስብ ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ጠቓሚ ማዕዳ ኻብዚ ነገራት እዚ ዕቝባ ክዀነና ይኽእል እዩ። [ኤፌሶን 5:3, 4 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ኻብዚ ሰላሕ እናበለ ጕድኣት ዘውርድ ነገር ብኸመይ ርእስና ኽንሕሉ ኸም እንኽእል ትሕብር።”