ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/03 ገጽ 1
  • ትሕትና ልበሱ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትሕትና ልበሱ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ንትሑታት ኣገልገልቱ ኣኽቢሩ ይርእዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ናይ ሓቂ ትሕትና ኣማዕብል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • “ትሑት ዝልቡ . . . እየ”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
  • የሱስ ኣርኣያ ትሕትና ሃበ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 9/03 ገጽ 1

ትሕትና ልበሱ

1 ሓደ ጓሳ ኣብ የሆዋ ብምእማን ንሓደ ሓያል ተዋጋኢ ኣሰነፎ። (1 ሳሙ. 17:​45-47) ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ንዝወረዶ መዓት ብትዕግስቲ ጾሮ። (እዮ. 1:​20-22፣ 2:9, 10) ወዲ ኣምላኽ ከኣ ኵሉ ትምህርቱ ኻብ ኣቦኡ ምዃኑ ኣፍልጦ ሃበ። (ዮሃ. 7:15-18፣ 8:28) ኣብዚ ሰለስቲኡ መዳያት: ትሕትና ኣገዳሲ ግደ እዩ ነይርዋ። ኣብዚ ግዜና እውን ብተመሳሳሊ ኣብቲ ዘጋጥመና ዅነታት ትሕትና ኣገዳሲ ግደ ኣለዋ።​—⁠ቈሎ. 3:12

2 ክንሰብኽ ከለና:- ከም ክርስትያናት ኣገልገልቲ መጠን ዓሌት: ባህሊ: ወይ መበቈል ከይፈለና ንዅሎም ሰባት ኢና ነቲ ብስራት እንነግሮም። (1 ቈረ. 9:22, 23) ገሊኣቶም ሕማቕ መልሲ እንተ መሊሶምልና ወይ ብትዕቢት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ነጺጎምዎ: ተመሳሳሊ ምላሽ ኣይኰንናን እንህቦም፣ የግዳስ ብትዕግስቲ ኢና ነቶም ብቑዓት እነናዲ። (ማቴ. 10:11, 14) ብፍልጠትና ወይ ብትምህርትና ንኻልኦት ክንምስጥ ኣብ ክንዲ እንጽዕር: ቃል ኣምላኽ ካብቲ ንሕና እንብሎ ዝያዳ ዘእምን ከም ዝዀነ ስለ እንፈልጥ ናብኡ ኸም ዘተኵሩ ኢና እንገብሮም። (1 ቈረ. 2:1-5፣ እብ. 4:12) ንየሱስ ክንመስሎ ስለ እንደሊ: ኵሉ ውዳሰ ንየሆዋ ኢና እንህቦ።​—⁠ማር. 10:17, 18

3 ኣብ ጉባኤ:- ክርስትያናት ‘ንሓ​ድሕዶም ትሕትና ኽዕጠቑ’ ኣለዎም። (1 ጴጥ. 5:5) ካልኦት ካባና ዝበልጹ ጌርና እንተ ርኢናዮም: ኣሕዋትና ኸገልግሉና ኣብ ክንዲ ምጽባይ ንኸነገልግሎም ኢና መገድታት እነናዲ። (ዮሃ. 13:12-17፣ ፊል. 2:3, 4) መአከቢ ኣደራሽ ምጽራይ ክብርና ዘዋርድ ኰይኑ ኣይስምዓናን እዩ።

4 ትሕትና ‘ብፍቕሪ ንኽንጸዋወር’ ትሕግዘና: በዚ ኸኣ ኣብ ጉባኤ ሰላምን ሓድነትን ይሰፍን። (ኤፌ. 4:1-3) ነቶም መሪሕነት እተዋህቦም ንኽንግዝኦም ትሕግዘና። (እብ. 13:17) ዝዀነ ይኹን ዝወሃበና ማዕዳ ወይ ተግሳጽ ንኽንቅበል ትድርኸና። (መዝ. 141:5) ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ጉባኤ ንዝወሃበና ዝዀነ ይኹን ሓላፍነት ንምፍጻም ኣብ የሆዋ ንኽንውከል ተለዓዕለና። (1 ጴጥ. 4:11) ልክዕ ከም ዳዊት: እቲ እንረኽቦ ኣሳልጦ ኣብ ክእለትና ዘይኰነስ ኣብ በረኸት የሆዋ እዩ ዝምርኰስ።​—⁠1 ሳሙ. 17:37

5 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና:- ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ‘ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት ክንብል’ ኣሎና። (1 ጴጥ. 5:6) ፈታኒ ዅነታት ከጋጥመና ኸሎ: ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ ራህዋ ሃረር ንብል ንኸውን። እንተዀነ ግን: ካብ ትሕትና ተበጊስና የሆዋ ኣብ ግዜኡ መብጽዓታቱ ንኽፍጽም ብትዕግስቲ ኢና እንጽበዮ። (ያእ. 5:7-11) ከምቲ እዮብ ንጽህናኡ ኽሕሉ ኸሎ ዝገበሮ: ንዓናውን እቲ ቐንዲ ዘተሓሳስበና ነገር ‘ስም የሆዋ ክባረኽ’ እዩ።​—⁠እዮብ 1:21 NW

6 ነብዪ ዳንኤል ‘ርእሱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ኣትሓተ:’ ሞገስ የሆዋን ብዙሕ ናይ ኣገልግሎት መሰላትን ብምርካብ ከኣ ተባረኸ። (ዳን. 10:11, 12) ንሕናውን ብተመሳሳሊ “ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርንሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን” ምዃኑ ስለ እንፈልጥ: ትሕትና ንልበስ።​—⁠ምሳ. 22:4

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ