ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/03 ገጽ 1
  • ንምሕረት ኣምላኽ ሞሳ ምርኣይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንምሕረት ኣምላኽ ሞሳ ምርኣይ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ኣቦኹም መሓሪ እዩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ነቲ “ብምሕረት ሃብታም” ዝዀነ ኣምላኽ ኢና እነገልግል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ብስራት ጸጋ ኣበስር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ነቲ እተቐበልካዮ ጸጋ ኣምላኽ ኣማስወሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 7/03 ገጽ 1

ንምሕረት ኣምላኽ ሞሳ ምርኣይ

1 ሃዋርያ ጳውሎስ ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ: ክርስትና ንኸየስፋሕፍሕ ኣመና ዝጻረር እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ነዚ ብዘይ​ ፍልጠት ይገብሮ ብምንባሩ: ምሕረት ተገብረሉ። የሆዋ ንጳውሎስ ክሰብኽ ብምምዛዝ ዘይበቕዖ ሕያውነት ኣርኣዮ: ጳውሎስ ድማ ነዚ መዝነቱ እዚ ኣኽቢሩ ይርእዮ ነበረ። (ግብ. 26:9-18፣ 1 ጢሞ. 1:12-14) ንምሕረት የሆዋ ዝነበሮ ሞሳ ውፉይ ኰይኑ ኣገልግሎቱ ንኽፍጽም ደረኾ።​—⁠2 ቈረ. 12:15

2 ንሕናውን ሳላ ምሕረት ኣምላኽ ኣገልግሎት ተዋሂቡና ኣሎ። (2 ቈረ. 4:1) ከም ጳውሎስ ንኻልኦት ብመንፈስ ዕቤት ንኽገብሩ ኣብ ምሕጋዝ ጻዕሪ ብምግባር ሞሳና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ኽንገብረሉ እንኽእል መገዲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጅማርን ብምምራሕን እዩ።

3 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር:- ሓደ ኻብቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እነጀምረሉ መገዲ ንሰባት ብተደጋጋሚ መጽሔታት ምብጽጻሕ እዩ። ነቶም መጽሔታት እነበጻጽሓሎም ሰባት ኣዘውቲርና ኽንበጽሖም ከለና: ነቲ ዘጨንቖም ጕዳያት ኣጸቢቕና ንፈልጦ ኢና። ድሕሪ ግዜ ኣብ መጽሔታትና ዝወጸት ሓንቲ ዓንቀጽ በታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምሮም መገዲ ኽትጸርግ ትኽእል እያ። ኣብ ዝቕጽል መጽሔት ንኸነበርክተሎም ኢልና ኽንበጽሖም ከለና በታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ጌርና ምይይጥና ኽንቅጽል ንኽእል ንኸውን።

4 ጸሎትን ጻዕርን የድሊ:- ጸሎትን ብትግሃት ምጽዓርን ንስብከትና ውጽኢታዊ ይገብሮ። ሓንቲ ፓይነር ሓደ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ትመርሕ ስለ ዝነበረት: የሆዋ ዝያዳ መጽናዕቲ ኽገብሩ ዝደልዩ ሰባት ንኽህባ ጸለየት። ምስቲ ጸሎታ ተሰማሚዓ እውን ዓዪያ እያ። ንኣገልግሎታ ምልስ ኢላ ምስ መርመረት: ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከላ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ፍቓደኛታት እንተ ዀይኖም ከም ዘይትሓትት ኣስተውዓለት። ነዚ ኽትዓየሉ ምስ ጀመረት ግን ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኽልተ ተወሰኽቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ረኸበት።

5 ነቲ “ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ” ንሰባት ከተፍልጥ ምኽኣልስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ መሰል ኰን እዩ! (ግብ. 20:24) ንምሕረት ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ንሰባት ካብቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ወይ ጸጋ ኣምላኽ ንኽጥቀሙ ኣብ ምሕጋዝ ትጉሃት ክንከውን ይድርኸና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ