ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
እዚ ዝስዕብ ሕቶታት ኣብታ 5 ግንቦት 2003 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብቓል ዝውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣብቲ ኻብ 5 ግንቦት ኽሳዕ 30 ሰነ 2003 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዝወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ናይ ዝርርብ ነጥብታት
1. ዝርርብ ከተቕርብ ከሎኻ ድምጽኻ ምልውዋጥ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ: ነዚኸ ብኸመይ ክትገብሮ ትኽእል፧ [be ገጽ 111 ሳጹን፣ ገጽ 112 ሳጹን]
2. ሓደ ተዛራባይ ነቲ ዝብሎ ዝኣምነሉን ንየሆዋ ዘፍቅሮን ክነሱ ኣቀራርባኡ ውዕዉዕ ከይከውን ዝኽእል ስለምንታይ እዩ፧ [be ገጽ 115 ሕጡብ ጽሑፍ 3-4፣ ገጽ 116 ሕጡብ ጽሑፍ 1]
3. ሓደ ሰብ ኣብ ዝርርቡ ምዉቕ ኣቀራርባን ስምዒት ዘንጸባርቕን ንክኸውን ዝሕግዞ እንታይ እዩ: እዚ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧ [be ገጽ 119 ሕጡብ ጽሑፍ 1-4]
4. ነቲ ኣብ ሓደ ዝርርብ ክንጸባረቕ ዝግብኦ ውዕዉዕ ስምዒት: ምዉቕ ኣቀራርባ: ከምኡውን ካልእ ስምዒታት ዝውስኖ እንታይ እዩ፧ [be ገጽ 120 ሕጡብ ጽሑፍ 2-5]
5. ቅኑዕ ወይ ጌጋ:- ኣካላዊ ምንቅስቓስካን ኣብ ገጽካ ዝንጸባረቕ መግለጽን ዋጋ ኽህልዎ ዝኽእል እቶም ሰማዕትኻ ይጥምቱኻ እንተ ሃልዮም ጥራይ እዩ። ግለጽ። [be ገጽ 121 ሕጡብ ጽሑፍ 3]
ክፍሊ ቍ. 1
6. ዮስያስ ሕማቕ ኣተዓባብያ እኳ እንተ ኣሕለፈ: ቅኑዕ መገዲ ንኽመርጽ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ (2 ዜና 34:1, 2) [w01 15/4 ገጽ 26 ሕጡብ ጽሑፍ 5-ገጽ 27 ሕጡብ ጽሑፍ 5፣ ገጽ 28 ሕጡብ ጽሑፍ 4]
7. ምሳሌ 9:7, 8ሀ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዋ: ኣብ ግራት ኣገልግሎትከ ብኸመይ ክንጥቀመላ ንኽእል፧ [w01 15/5 ገጽ 29 ሕጡብ ጽሑፍ 4-5]
8. የሆዋ ንእስራኤላውያን ‘ኸይትርስዑ’ ኽብሎም ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ: ንሕናኸ ብኸመይ ነዚ ኸነወግዶ ንኽእል፧ (ዘዳ. 4:9፣ 8:11) [be ገጽ 20 ሕጡብ ጽሑፍ 1-3]
9. እቲ ዳዊት ኣብ መዝሙር 32:1, 5 ከምኡውን መዝሙር 51:10, 15 እተጠቕመሉ መግለጺ: ሓደ ሰብ ከቢድ ሓጢኣት ምስ ፈጸመ ድሕሪኡ ዋጋ ዘይብሉ ዀይኑ ኽስምዖ ዘይኰነስ ልባዊ ነስሓ ኸንጸባርቕ ከም ዘለዎ ዝሕብረና ብኸመይ እዩ፧ [w01 1/6 ገጽ 30 ሕጡብ ጽሑፍ 1-3]
10. ካብቲ ጳውሎስ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 5:3-16 ዝሃቦ መምርሒ: ንሽጉራት ብዛዕባ ምሕላይ እንታይ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል፧ [w01 15/6 ገጽ 10 ሕጡብ ጽሑፍ 3]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. የሱስ ኣብ ዮሃንስ 3:3 ብዛዕባ ‘ካብ ላዕሊ ምውላድ’ ክዛረብ ከሎ ንምንታይ እዩ ዘመልክት ነይሩ፧ [w95 1/7 ገጽ 3-4 ቍ. 4-5]
12. የሱስ ንትምህርቱ ብኸመይ ተጠቕመሉ: ካብዚኸ እንታይ ጠቓሚ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል፧ (ዮሃ. 7:15-18) [w96 1/2 ገጽ 9-10 ቍ. 4-7]
13. ዮሃንስ 7:53–8:11 ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ምስቲ ኻልእ ጽሑፍ ብሓባር ዘይኰነስ ንበይኑ ዝርከብ ስለምንታይ እዩ፧
14. የሱስ “ከምቲ” ናብ ሰማይ ክዓርግ ከሎ ዀይኑ ‘ዝመጽእ’ ብኸመይ እዩ፧ (ግብ. 1:11) [w 11/6/111 ገጽ 2 ቍ. 5]
15. ከምቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 5:13 ተጠቒሱ ዘሎ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ‘ኻብቶም ካልኦት ደፊሩ እተጸምበሮም ዘይነበረ’ ስለምንታይ እዩ፧