በጃኻ ነቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ሃቦ
እዚ ዝስዕብ ሕቶታት ኣብታ 24 ለካቲት 2003 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብቓል ዝውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣብቲ ኻብ 6 ጥሪ ኽሳዕ 24 ለካቲት 2003 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዝወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ናይ ዝርርብ ነጥብታት
1. ቅኑዕ ወይ ጌጋ:- ንባብካ ትኽክል ክኸውን ዝኽእል ካብቲ ጽሑፍ ቅሩብ እኳ ውጽእ እንተ በልካ ቕኑዕ ዝመስል ጌርካ ምስ እተንብቦ እዩ። ግለጽ። [be ገጽ 83]
2. ባዶ ቦታ ምላእ:- ሓደ ሰብ ብትኽክል ንምንባብ _________________________ ክገብር ኣለዎ: ነዚውን ዓው ኢሉ ኽገብሮ ኣለዎ። [be ገጽ 85]
3. ብንጹር ምዝራብ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (1 ቈረ. 14:8, 9) [be ገጽ 86]
4. ንዘረባ ዘይንጹር ዝገብሮ ገለ ነገራት እንታይ እዩ: ብንጹር ንምዝራብከ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ [be ገጽ 87-8]
5. ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ወርሒ ኣደማምጻኡ ኽትለማመዶ ዝግባእ እንታይ ቃላት ረኺብካ፧ [be ገጽ 92]
ክፍሊ ቍ. 1
6. ቅኑዕ ወይ ጌጋ:- ኣዒንትና ብግቡእ ንኽንሰምዕ ክሕግዘና ይኽእል እዩ። ግለጽ። [be ገጽ 14]
7. ባዶ ቦታ ምላእ:- ኣምላኽ ከም መሐበሪ ግዜ _____________________________: _____________________________: ከምኡውን _________________________ ኣዳልዩ እዩ። [si ገጽ 279 ቍ. 7]
8. ባዶ ቦታ ምላእ:- ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “መዓልቲ” እትብል ቃል ከከም ኣተኣታትዋኣ ን__________ ሰዓታት: __________ ሰዓታት: __________________ ዓመታት: ወይ _________________________ ከተመልክት ትኽእል እያ። [si ገጽ 279 ቍ. 8]
9. ንሃና: ማርቆስ: ከምኡውን ኤልያስ ዘጋጠሞም ነገራት ንተስፋ ምቝራጽ ንኽንዋጽኣሉ ብኸመይ ክሕግዘና ይኽእል፧ ንኻልኦት ንምሕጋዝከ እዚ ኣብነታት እዚ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧ [w01 1/2 ገጽ 20-3]
10. ጥንቲ ዝግበር ዝነበረ ስፖርታዊ ውድድራት ምፍላጡ: ንገሊኡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንርድኦ ዝሕግዝ ብኸመይ እዩ፧ እዚ ሓበሬታ እዚኸ ንህይወትና ብኸመይ ክጸልዎ ኣለዎ፧ [w01 1/1 ገጽ 28-31]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. ቅኑዕ ወይ ጌጋ:- መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ኣብ ሰማይ ስለ ዝቘመት: ድሕሪ ሕጂ “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢልካ ምጽላይ ግቡእ ኣይኰነን። (ማቴ. 6:10) ግለጽ። [be ገጽ 279፣ w96 1/6 ገጽ 31]
12. ቅኑዕ ወይ ጌጋ:- የሱስ ኣብ ማቴዎስ 11:24 እተዛረቦ ዘረባ እቶም የሆዋ ኣብ ሶዶምን ጎሞራን ብሓዊ ዘጥፍኦም ሰባት ክትንስኡ እዮም ማለት ድዩ፧ ግለጽ።
13. ቅኑዕ ዝዀነ ምረጽ:- እቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 24:45-47 ዝጠቐሶ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ (ሀ) ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ፣ (ለ) ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም ቅቡኣት ክርስትያናት እዮም፣ (ሐ) የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እዩ። እዚ ባርያ እዚ ነቶም ‘ስድራቤት’ ማለት ነቶም (ሀ) ቅቡኣት ክርስትያናት ብውልቀ-ሰብ ደረጃ፣ (ለ) ካልኦት ኣባጊዕ፣ (ሐ) ኵሎም ክርስትያናዊ ጽሑፋት ዘንብቡ ሰባት፣ መንፈሳዊ መግቢ በብግዜኡ ይህቦም እዩ። እቲ ጐይታ ነቲ ባርያ (ሀ) ብ1914፣ (ለ) ብ33 ከ.ኣ.ዘ.፣ (ሐ) ብ1919፣ እዩ ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ሸይምዎ።
14. ቅኑዕ ዝዀነ ምረጽ:- እቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 13:47-50 ብዛዕባ መርበብ ዝሃቦ ምስላ ንጉባኤ ቅቡኣት ክርስትያናትን (ሀ) መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽን፣ (ለ) ብጾቶም ካልኦት ኣባጊዕን፣ (ሐ) ህዝበ-ክርስትያንን፣ እዩ ዘመልክት።
15. ንኣማኒ ብጻይካ ዝበደልካዮ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ: ብመሰረት እቲ ኣብ ማቴዎስ 5:24 ዝርከብ ቃላት የሱስ እንታይ ክትገብር እዩ ዘሎካ፧ [g96 8/2 ገጽ 26-7 እንግሊዝኛ]