ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ጥሪ:- ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ለካቲት:- ራእይ እቲ ዓብዪ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! መጋቢት:- ፍልጠት። ሚያዝያን ግንቦትን:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ!
◼ ካብ 2 መጋቢት ጀሚሩ ብናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ዝወሃብ ሓድሽ ህዝባዊ ዝርርብ “ካብዛ ኣብ ጸልማት ዘላ ዓለም ድሕነት ምርካብ” ዝብል ክኸውን እዩ።
◼ ጉባኤታት ነቲ ረቡዕ 16 ሚያዝያ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ዝግበር በዓል ዝኽሪ ንምብዓል ምድላዋት ክገብራ ኣለወን። እቲ ዝርርብ ኣቐዲሙ ኽጅመር ዝከኣል እኳ እንተዀነ: እቲ ናይ ዝኽሪ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ምዛር ግን ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ ክጅመር የብሉን። ኣብ ከባቢኹም ጸሓይ እትዓርበሉ ሰዓት ንምፍላጥ ናይቲ ከባቢ ምንጭታት ተወከሱ። እቲ ቕጫን ወይንን ኵሎም እቶም ተኣከብቲ እናተቐባበሉ ኸዝርዎ ኸም ዝግባእ ከነዘኻኽረኩም ንፈቱ። እቲ እትጥቀሙሉ ዓይነት ወይኒ ካብ ቀይሕ ወይኒ እተዳለወ ዀይኑ መማቕርቲ ዘይተወሰኾ ክኸውን ኣለዎ። እቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ወይኒ ዘዳልዉ ኣብ እተገለለ ቦታታት ዘለዉ ጕጅለታት ነቲ ኣብ ናይ 4/2/111 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 13: ከምኡውን ናይ 8 መስከረም 1995 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 25-27 ዝርከብ መምርሒታት ክውከሱ ኣለዎም። ብዝሕ ዝበላ ጉባኤታት ብሓባር እንተ ኣብዒለን: መነመን ካብ ኣየነይቲ ጉባኤ ምዃኖም ምፍላጥ ስለ ዘሸግር ከምዚ እንተ ዘይተገብረ ይምረጽ። ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ጉባኤታት ሓንቲ ኣደራሽ መንግስቲ ዝጥቀማ ምስ ዝዀና: ምናልባት ሓዲአን ወይ ገሊአን ነታ ምሸት እቲኣ ኻልእ መኣከቢ ቦታ ኽደልያ ይኽእላ እየን። ካብቲ ኣጋጣሚ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽትጥቀሙ: ኣብ መንጎ ናይ ክልተ ጉባኤታት ፕሮግራም እንተ ወሓደ ናይ 30 ደቒቕ ፍልልይ ክትገብሩ ጽቡቕ እዩ (ንኣብነት: እታ ቐዳመይቲ ጉባኤ ሰዓት 6:00 እንተ ጀሚራ: እታ ኻልአይቲ ሰዓት 7:30 ትጅምር)። ናይ ትራፊክ ኵነታትን ናይ ማካይን ደው መበልን እውን ክሕሰበሉ ኣለዎ። ኣካል ሽማግለታት ኣብቲ ኸባቢ እንታይ ምድላው እንተ ገበሩ ዝበለጸ ከም ዝኸውን ክውስኑ ይግባእ።
◼ ካብዛ ሕታም እዚኣ ኣትሒዙ: ሓድሽ ዝመጸ ጽሑፋት ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣይወጽእን እዩ። ነዚ ሓበሬታ እዚ ዝሓዘ “ንዅለን ጉባኤታት ዝለኣኽ ምልክታ” ዝብል ደብዳበ ናብ ኵለን ጉባኤታት ክስደድ እዩ። እቲ “ንዅለን ጉባኤታት ዝለኣኽ ምልክታ” ምስ በጽሓኩም: ኣብታ እትቕጽል ናይ ኣገልገሎት ኣኼባ ነቲ ኣብ ጉባኤኹም ኣድላዪ ክኸውን ዝኽእል ጽሑፋት ምልክታ ኽንገር እዩ። ድሕርዚ እቲ ምልክታ ኣብቲ ናይ ሓበሬታ ሰሌዳ ኽልጠፍ ይከኣል እዩ። ቀጺሉ እቲ ናይ ጽሑፍ ኣገልጋሊ ነቲ ምልክታ ኣብ ፋይሉ የቐምጦ።