በጃኻ ነቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ሃቦ
ካብ 6 ግንቦት ክሳዕ 19 ነሓሰ 2002 ኣብ ዘሎ ሰሙናት ንዝዋሃብ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክፍልታት መጽሓፍ ከይገንጸልካ ዝግበር ድግማ። በቲ ተዋሂቡ ዘሎ ግዜ ብዝከኣለካ መጠን ናይቲ ሕቶታት መልሲ ንምጽሓፍ: መጽሓፊ ወረቐት ኣዳሉ።
[መተሓሳሰቢ:- ኣብ ግዜ ናይቲ ጽሑፋዊ ድግማ: ዝዀነ ይኹን ሕቶ ንምምላስ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢዩ ምጥቃም ዝከኣል። ደድሕሪ እቲ ሕቶታት ዝስዕብ መሐበሪታት: ናይ ብሕትኻ ምርምር ንምግባር ዝሕግዘካ ኢዩ። ኵሉ እቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መሐበሪታት ቍጽሪ ናይ ገጽን ቍጽሪ ሕጡብ ጽሑፍን ዘይጠቅስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።]
ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ምሉእ ሓሳባት ቅኑዕ ወይ ጌጋ ኢልካ መልስ:-
1. ኤርምያስ 18:1-6 የሆዋ ንሰባት ኣንጻር ድሌቶም ከም ዝመላለሱ ዝገብር ምዃኑ ተርኢ ኢያ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w99 1/4 ገጽ 22 ሕጡብ ጽሑፍ 3-4 ርአ።]
2. ነብያት ሓሶት ንሰባት ነቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ናይ ሓቂ መጠንቀቕታ ንኽሰምዑ ዘይኰነስ ባዕሎም ንዝመሃዝዎ ሓሶት ክሰምዑ ስለ ዘተባብዕዎም ነቲ ቓል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይልን ጽልዋን ሰሪቖምዎ ኢዮም። (ኤር. 23:30) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w92 1/2 (እንግሊዝኛ) ገጽ 4 ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ።]
3. እታ ኣብ ኤርምያስ 25:15, 16 ‘ህዝብታት ኵሎም ከም ዝዓብዱ’ እትገብር “ጽዋእ ናይ ቍጥዓ ወይኒ” ነቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዘለዋ ናይ ምድንዛዝ ሓይሊ ኢያ እተመልክት። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w94 1/3 ገጽ 16 ቍ 13 ርአ።]
4. ብመሰረት እቲ ኣብ ማቴዎስ ፍጻሜኡ እተገልጸ ኤርምያስ እተነበዮ ትንቢት: እቲ “ሃገር ጸላኢ” ተባሂሉ ዘሎ ነቶም ሄሮድስ ዓብዪ ዝቐተሎም ሕጻናት ብትንሳኤ ገዲፎምዎ ዝምለሱሉ ሃገር ሞት ኢዩ ዘመልክት። (ኤር. 31:15, 16፣ ማቴ. 2:17, 18) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w79 15/6 ገጽ 19 ቍ. 13 (እንግሊዝኛ) ርአ።]
5. ኤርምያስ 37:21 የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ኣብ ጽንኩር ቍጠባዊ እዋናት ከም ዘናብሮም መረጋገጺ ትህበና ኢያ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w97 15/9 ገጽ 3 ሕጡብ ጽሑፍ 4–ገጽ 4 ሕጡብ ጽሑፍ 2።]
6. ድጕዓ ኤርምያስ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ብነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ብምጥፍኣ ዓሚቝ ሓዘን እትገልጽ ኢያ። [si ገጽ 130 ቍ. 1]
7. ድጕዓ ኤርምያስ 5:7 የሆዋ ብሰንኪ ሓጢኣት ወለዲ: ንደቆም ብቐጥታ ኸም ዝቐጽዖም ትሕብር ኢያ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w88 1/9 (እንግሊዝኛ) ገጽ 27 ሳጹን ርአ።]
8. ኣብ ህዝቅኤል 9:4 ተጠቒሱ ዘሎ ኣብ ግንባር ዝግበር ማሕተም: ፍልጠት ጥራይ ንሰብ ከም ዘድሕኖ ኢዩ ዝሕብር። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w88 15/9 (እንግሊዝኛ) ገጽ 14 ቍ. 18 ርአ።]
9. እቶም ኣብ ኤፌሶን 4:8 (NW ) ተጠቒሶም ዘለዉ “ውህበት ሰብኡት” ብመንፈስ ቅዱስ እተሸሙን ንመንፈሳዊ ድሌት ናይ ኣመንቲ ብጾቶም ክሓልዩ ስልጣን እተዋህቦምን ክርስትያን ሽማግለታት ኢዮም። (ግብ. 20:28) [w00 1/8 ገጽ 6 ሕጡብ ጽሑፍ 3]
10. ህዝቅኤል ምዕራፍ 23 ኣብዚ ዘመናዊ ኣወዓዕላኣ ኽንርኢ ኸሎና: ፕሮተስታንት ምስ ኦሆሊባ: ናይ ሮማ ካቶሊክ ከኣ ምስታ ዓባይ ሓብታ ኦሆላ ኽመሳሰላ ይኽእላ ኢየን። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w88 15/9 ገጽ 21 ቍ. 22 ርአ።]
ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ሕቶታት መልስ:-
11. ኣብቲ ብጥፍኣት የሩሳሌም እተዛዘመ ኻብ 617 ክሳዕ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ጽንኩር ዓመታት ጐሊሖም ዝርኣዩ ዝነበሩ ነብያት መነመን ኢዮም፧ [si ገጽ 133 ቍ. 2]
12. ንበጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ ዘሎና ናይ ሓቂ ሞሳ ነቲ ኣብ ሉቃስ 9:23 ዘሎ ጻውዒት ብእነርእዮ ምላሽ ዝንጸባረቕ ብኸመይ ኢዩ፧ [w00 15/3 ገጽ 8 ሕጡብ ጽሑፍ 1]
13. የሆዋ ንኤርምያስ ‘ዝጠበሮ’ ብኸመይ ኢዩ፧ (ኤር. 20:7) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w89 1/5 (እንግሊዝኛ) ገጽ 31 ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ።]
14. የሱስ: መንፈስ ቅዱስ “ዅሉ ኺምህረኩም: ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ (ዮሃንስ 14:26) [w00 1/4 ገጽ 8 ሕጡብ ጽሑፍ 7-8]
15. ብመሰረት ኤርምያስ 35:18, 19 እቶም ዘመናውያን ክፍሊ ሬካባውያን እንታይ ተስፋ ኢዩ ዘለዎም፧ [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ su (እንግሊዝኛ) ገጽ 131 ቍ 7 ርአ።]
16. ነፊሊም “ጀጋኑ” ከምኡውን “ስሙያት” ዝነበሩ ብኸመይ ኢዮም፧ (ዘፍ. 6:4) [w00 15/4 ገጽ 28 ሕጡብ ጽሑፍ 1]
17. ባሩኽ መንፈሳዊ ሚዛኑ ዘይሓለወ ብኸመይ ኢዩ: ካብ ተመክሮኡኸ እንታይ ትምህርቲ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧ (ኤር. 45:1-5) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w97 15/8 ገጽ 21 ሕጡብ ጸሑፍ 14-16 ርአ።]
18. ኣብ ኤርምያስ 50:38 ዘሎ ትንቢት እተፈጸመ መዓስን ብኸመይን ኢዩ፧ [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ dp ገጽ 150 ሕጡብ ጽሑፍ 2-3 ርአ።]
19. ብመሰረት ድጕዓ ኤርምያስ 1:15 “ነታ ድንግል ጓል ይሁዳ” ማለት ንየሩሳሌም ዝወረዳ ዕንወት ንህዝበ-ክርስትያን እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝኸውን፧ [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w88 1/9 ገጽ 27 ሳጹን ርአ።]
20. ኣብ ህዝቅኤል 21:26 ዝርከብ “ዘውዲ ቐንጥጥ: ኣኽሊል ኣውጽእ” ዝብል ሓሳብ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w88 15/9 ገጽ 19 ቍ. 16 ርአ።]
ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሓሳባት: ብቓል (ብቓላት ) ወይ ብሓረግ ገይርካ ምልኣዮ:-
21. ሓደ ዓቕሙን ቦትኡን ዝፈልጥ ሰብ ካብ _________________________ ናይቲ ኸርእዮ ዝግብኦ ጽቡቕ _________________________ ኣይሓልፍን ኢዩ: እቲ ኽገብሮ ዘለዎን ክገብሮ ዝኽእልን ነገራት ከኣ _________________________ ከም ዘለዎ ይግንዘብ ኢዩ። (ሚክ. 6:8) [w00 15/3 ገጽ 21 ሕጡብ ጽሑፍ 1-2]
22. መንፈስ ቅዱስ _________________________ ወይ _________________________ ዝኣልየልና እኳ እንተ ዘይኰነ: _________________________ ግን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። (1 ቈረ. 10:13፣ 2 ቈረ. 4:7) [w00 1/4 ገጽ 11 ሕጡብ ጽሑፍ 6]
23. ነብዪ ዳንኤል ካብቲ ኤርምያስ ዝጸሓፎ ተበጊሱ ዕንወት የሩሳሌም _________________________ ከም ዝጸንሕ ኣስተውዓለ፣ እዚ ብዘደንቕ መገዲ ብትኽክል ምፍጻሙ _________________________ የሆዋ ዘለዎ ሓይሊ ንኽንኣምን ይሕግዘና። (ኤር. 25:12፣ ዳን. 9:2) [si ገጽ 129 ቍ. 37]
24. ድጕዓ ኤርምያስ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ _________________________________ን _________________________ን ከተለዓዕል ኣለዋ: ነቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ዘየኽብርዎ ኸኣ _________________________ መጠንቀቕታ ኢያ እትዀኖም። [si ገጽ 132 ቍ. 13]
25. ኣብርሃም ንዘጋጠሞ ጸገማት ንምፍታሕ ልኡም ብምዃን ዝገደፈልና ኣብነት _________________________ ወይ _______________________________ ምስ ኣሕዋትና ዘሎና ኽቡር ርክብ ንኸበላሽዎ ኸይንፈቅድ የተባብዓና። (ዘፍ. 13:5-12) [w00 15/8 ገጽ 24 ሕጡብ ጽሑፍ 2-3]
ኣብዚ ቐጺሉ ዘሎ ምሉእ ሓሳባት ነቲ ቕኑዕ መልሲ ምረጽ:-
26. እዮብ (ንፍልጠት፣ ንምሕረት፣ ንፍርዲ) የሆዋ ኣኽቢሩ ኢዩ ዝርእዮ ነይሩ: ስለዚ ኸኣ ምስ ባሮቱ (ብምስትውዓል፣ ብምሕረት፣ ብፍትሒ) ተመላለሰ። (እዮ. 31:13, 14) [w00 15/3 ገጽ 26 ሕጡብ ጽሑፍ 1]
27. ኣብ ኤርምያስ 16:2-4 እቲ ነብዪ (ብዛዕባ ርእሰ-መስዋእታዊ መንፈስ ንኸስተንትን፣ እቲ መሲህ ንጽል ኰይኑ ዝመላለስ ምዃኑ ንኸርኢ፣ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ጥፍኣት የሩሳሌም ዝበሎ ነገር ርግጽ ምዃኑ ንኸርኢ ) ንጽል ኰይኑ ኽነብር መምርሒ ተዋህቦ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w78 15/4 (እንግሊዝኛ) ገጽ 31 ሕጡብ ጽሑፍ 2 ርአ።]
28. ኣብ ምሳሌ 4:7 እትርከብ ጥበብ (ንሓቅታት ምፍላጥ፣ እቲ ሓቅታት ብኸመይ ንሓድሕዱ ኸም ዝተኣሳሰር ምስትውዓል፣ ንፍልጠትን ምርዳእን ኣብ ግብሪ ምውዓል ) ኢያ እተመልክት። [w00 15/5 ገጽ 21 ሕጡብ ጽሑፍ 1]
29. መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጀመርታ እተጻሕፈሉ ቋንቋ እብራይስጢ (ኣድማጺ ጥራይ፣ ተደማጺ ጥራይ ) ስለ ዝነበሮ: መለኮታዊ ስም ብትኽክል ብኸመይ ይድመጽ ከም ዝነበረ ዝፈልጥ ሰብ የለን። [rs ገጽ 195 ሕጡብ ጽሑፍ 1]
30. እታ ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 1 ተጠቒሳ ዘላ ሰረገላ ኣምላኽ (ንመሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ፣ ብመላእኽቲ ንዝቘመት መንፈሳዊት ማሕበር የሆዋ፣ የሆዋ ምስቶም ተረፍ ንዘለዎ ርክብ) ኢያ እተመልክት። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w88 15/9 ገጽ 11 ቍ. 5 ርአ።]
ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ጥቕስታት ምስቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ምሉእ ሓሳባት ኣዛምዶ:-
ዘዳ. 7:25, 26፣ ምሳ. 4:18፣ 5:21፣ ኤር. 46:28፣ ሮሜ 15:4
31. እዚ ትእዛዝ እዚ ህዝቢ የሆዋ ነቲ ኣቐዲሞም ኣኽቢሮም ዝርእይዎ ዝነበሩ ዝዀነ ይኹን ናይ ምስሊ ዓይነት ብኸመይ ክርእይዎ ኸም ዘለዎም ይሕብር። [rs ገጽ 186 ሕጡብ ጽሑፍ 3]
32. ኣምላኽ ምጽንናዕ ካብ ዝህበሉ ሓደ መገዲ በቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘደንቕ ተስፋ ዝሓዘ እተጻሕፈ ቃሉ ኣቢሉ ኢዩ። [w00 15/4 ገጽ 5 ሕጡብ ጽሑፍ 4]
33. ተግሳጽ ወለዲ ኻብቲ ግቡእ ደረት ኰነ ኻብቲ ናይ ምእራምን ምምሃርን ዕላማ ኽሓልፍ የብሉን። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ kl ገጽ 148 ቍ. 20 ርአ።]
34. የሆዋ ንኣገልገልቱ ዕላምኡ በብግዜኡ ስለ ዘረድኦም: መብዛሕትኡ ግዜ ዝያዳ ፍልጠት ንምርካብ ኣብ ኣተሓሳስባና ለውጢ ምግባር የድሊ። [rs ገጽ 205 ሕጡብ ጽሑፍ 4]
35. ዝዀነ ይኹን ጾታዊ ርኽሰት ክሳዕ ክንደይ ሕቡእ ይኹን ብዘየገድስ ካብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ኣይስወርን ኢዩ። [w00 15/7 ገጽ 31 ሕጡብ ጽሑፍ 3]