መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መጋቢት 2002
“መብዛሕትና ነዚ ሎሚ ዝርአ ዘሎ ዅነታት ኣብ ግምት ብምእታው: ኣብ ዝመጽእ ግዜ እንታይ ኰን ክፍጸም ኢዩ ኢልና ንሓስብ ኢና። የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ብዙሓት ዝፈልጥዎ ጸሎቱ ብዛዕባ መጻኢ ዅነታት እምንቶ ከነሕድር ከም እንኽእል ገሊጹ ኣሎ። [ማቴ. 6:9, 10 ኣንብብ።] ኣብዚ እዋን እዚ ወድሰብ ዝፍጽሞ ዘሎ ጌጋታት ኣብ ግዜ ጥንቲ እውን ይግበር ነይሩ ኢዩ። እቶም ሽዑ ንኣምላኽ ዘገልግሉ ዝነበሩ ሰባት ግን መጻኢኦም ዘሐጕስ ኢዩ ነይሩ። መጻኢናውን ብኸመይ ዘሐጉስ ክኸውን ከም ዝኽእል እዛ መጽሔት እዚኣ ትሕብረና።”
ንቕሑ!® ጥሪ-መጋቢት 2002
“ከም እትፈልጦ: ብዙሓት መንእሰያትና ብዛዕባ ህይወቶም ይጭነቑ ኢዮም። ገሊኣቶም ከኣ ናይ መንፈስ ጭንቀት የሕድሩ። ሓገዝ ክግበረሎም ዝከኣልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ጠንቂ ናይዝን ነዞም መንእሰያት እዚኣቶም ብኸመይ ክንሕግዞም ከም እንኽእልን ትሕብር ኢያ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 መጋቢት 2002
“ጽቡቕ መሪሕነት ንምድርና ኽትነብረላ ባህ እተብል ስፍራ ኽገብራ ይኽእል ኢዩ ንዝብል ሓሳብ ኣይምተሰማማዕካሉንዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢሉ ከም ዘተስፉ እሞ ርአ። [መዝ. 37:11 ኣንብብ።] እቲ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ተገሊጹ ዘሎ ንፉዕ መራሒ ኣብ ዘመሓድረሉ እዋን ኸምዚ ዝኣመሰለ ሰላም ክንረክብ ንኽእል ኢና።”