ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/02 ገጽ 1
  • እምነትና ንሰናይ ግብሪ ትድርኸና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እምነትና ንሰናይ ግብሪ ትድርኸና
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ኣብ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም እትኣምን ኣርኢ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • “እምነት ወስኸና”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • እምነትካ ኽሳዕ ክንደይ እያ ድልድልቲ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • እምነት—እተበርትዓና ባህርይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 5/02 ገጽ 1

እምነትና ንሰናይ ግብሪ ትድርኸና

1 እምነት ንኖህ: ንሙሴ: ንረሃብ ስጕምቲ ንኽወስዱ ደሪኻቶም ኢያ። ኖህ ንድሕነት እትኸውን መርከብ ሰርሐ። ሙሴ ኣብ ቤተ⁠-​መንግስቲ ፈርኦን ክረኽቦ ዝነበሮ ግዝያዊ ረብሓታት ህይወት ራሕረሖ። ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ሓብኣቶም: ንዝሃብዋ መምርሒ ብምእዛዝ ከኣ ስድራ​ቤታ ኣድሓነት። (እብ. 11:⁠7, 24-26, 31) ሎሚኸ እምነትና እንታይ ዓይነት ጽቡቕ ፍረ ኸነፍሪ ኢያ እትድርኸና፧

2 ምስክርነት ምሃብ:- እምነት ብዛዕባ እቲ ግሩም ኣምላኽናን ዘለኣለማዊ ሓጐስ ንምምጻእ ዝገበሮ ምድላዋቱን ንኽንዛረብ ትድርኸና። (2 ቈረ. 4:⁠13) ሓድሓደ ግዜ ምስክርነት ንምሃብ ነግ ፈረግ ንብል ንኸውን። ይኹን እምበር: ንየሆዋ ‘ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድሜና እንተደኣ ጌርናዮ’ ሓይሊ ንረክብ: ፍርሂ ኸኣ ካባና የልግስ። (መዝ. 16:⁠8) ሽዑ እምነትና ኣብ ዝረኸብናዮ ምሹእ ኣጋጣሚ ንኣዝማድና: ንጐረባብትና: ንመሳርሕትና: ንመማህርትናን ንኻልኦትን ነቲ ብስራት ንኽንነግሮም ትድርኸና።​—⁠ሮሜ 1:⁠14⁠-​16

3 ሓቢርካ ምእካብ:- ካልእ ካብ እምነት ዝምንጭ ሰናይ ግብሪ ኸኣ ኣብ ኣኼባታት ስርዓታዊ ዄንካ ምክፋል ኢዩ። እዚ ኸመይ ኢሉ ኢዩ ከምኡ ዝኸውን፧ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብና የሱስ ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ምሳና ምህላዉ ከም ዝኣመንናሉ ዘረጋግጽ ኢዩ። (ማቴ. 18:⁠20) ‘እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዝብለን ዘሎ ንምስማዕ’ ባህጊ ከም ዘሎና ዘርኢ ኢዩ። (ራእ. 3:⁠6) እምነት: እንተ ሃልያትና የሆዋ ዓብዪ መምህርና ምዃኑ ንኽንግንዘብ ስለ እትሕግዘና ነቲ ዝወሃበና ትምህርቲ ኣርዚንና ኢና እንቕበሎ።​—⁠ኢሳ. 30:⁠20

4 እንገብሮ ምርጫታት:- ነቲ ዘይርአ ነገራት ኣጸቢቕና ምስ እንኣምነሉ: አብ ህይወትና ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ንኽንህቦ ይድርኸና ኢዩ። (እብ. 11:⁠1) እዚ ማለት ሓድሓደ ግዜ ስጋዊ ነገራት መስዋእቲ ምግባር ይሓትት ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ሽማግለ እቲ ዝረኸቦ ዕቤት ስራሕ ካብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምብኳር: ካብ ስድራ​ቤት ምፍላይ: ከምኡውን ነቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎቱ ምቍራጽ ስለ ዘስዕበሉ ነጸጎ። ንሕናውን ብተመሳሳሊ የሆዋ ነቶም ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ዝደልዩ’ ንህይወቶም ዘድልዮም ከም ዝህቦም ዝሕብር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መረጋገጺ ምሉእ እምንቶ ንግበረሉ።​—⁠ማቴ. 6:⁠33

5 እምነት ኣብ ናብራ ህይወትና እትገብሮ ሓያል ጽልዋ ካልኦት ከየስተብሃልሉ ኣይተርፉን ኢዮም። እወ: እምነትና ኣብ ኵላ ምድሪ እተፈልጠት ኢያ። (ሮሜ 1:⁠8) ስለዚ እምበአር: ኵላትና እምነትና ህያው ምዃና ብሰናይ ግብርና ነርኢ።​—⁠ያእ. 2:⁠26

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ